
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ኬንያ ዝተወለዐ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ትማሊ ሰኑይ ፖሊስ ኬንያ ብዝተኰሶ ብርክት ዝበለ ናይ ጠያይት መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ግዳይ ሞትን ሞቅሰልትን ብምኳኖም፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ዝከፈአ መልክዑ ተሰጋጊሩ ምህላዉን፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውን በቲ ክስተት ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ምህላዎምን ማዕከን ዜና ቢቢሲ ገሊጹ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ትማሊ ሰኑይ ጥራሕ ኣብ 17 ግዝኣታት እታ ሃገር፡ 10 ሞት፣ 29 ሙጉዳእቲ፣ ክልተ መጭወይቲን 37 ማእሰርቲን ከም ዝሰነደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዓበይቲ ጽርግያታትን መእታዊ ነቑጣታትን እታ ሃገር ብፖሊስ ተዓጽዩ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፡ በቲ ፖሊስ ዝወሰዶ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ምንቅስቃሳቱ ብከቢድ ተሸጊሩ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ከባቢታት ኪያምቡ፡ ሜሩ፡ ኪሲ፡ ኒየሪ፡ ናኩሩን ኢምቡን እውን ብፖሊስ እታ ሃገር ጎደናታት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከም ዝነበረ እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ወሰናወሰን ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካንጌሚ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶክተር ኣሮን ሲኩኩ ብወገኑ፡ ሬሳ ክልተ ሰባት ካብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደን፡ ክልቲኦም ግዳያት ብዝተተኰሰ ጥይት ከም ዝሞቱን”ዩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዝገልጽ።
ፖሊስ ኬንያ ብዝወሰዶ ናይ ቶክሲ ስጉምቲ ዝተቘጥዑ ኣማኢት ሰልፈኛታት፡ ከቢድ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ምህላዎምን፡ ኣብ ደጋዊ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ብምእካብ ውን ሬሳ ግዳያት ንምውሳድ ከም ዝጠለቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኬንያ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ተቆጢቡ ብምህላዉ፡ እቲ ተቓውሞታት መሊሱ ከይዓብን ሃገራዊ ቀውሲ ከየኸትልን ከቢድ ስጋኣት ሰፊኑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ትማሊ ሰኑይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ስራሕ ክርከቡ መንግስታዊ መምርሒ እኳ እንተውረደ፡ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ክርከቡ ከም ዘይከኣሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም ከምዝወዓሉ፡ ኣብ ሽድሽተ ግዝኣታት ውን ዝምታ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ኬሪጎያ ዝርከብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈት ውን ብሓዊ ከም ዝተሃሞኸን”ዩ እቲ ኮምሽን ዝገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክነብሩ ዝጸንሑ ብቁጽሪ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብተን ሃገራት ብሰንኪ ዘጋጠመ ግጭትን ንሱ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቀውስን፡ ናብ ኬንያ ግዒዞም ሰለማዊ ሂወት ኣብ ምምራሕ ምጽንሖም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ይኩን እምበር ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ውን ኣብ ኬንያ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቆም ምህላዎምን፡ ግዳይ ተወሳኪ ስደት ይኮኑ ምህላዎምን”ዩ ዝገልጽ።