
ካብ 17 ክሳብ 23 መጋቢት 2025 ብደረጃ ሃገር ናይ ዝተካየደ ሃገራዊ መርመራ ‘ማትሪክ’ ውጺኢት፡ ኣብ 13 ሓምለ 2025 ብወግዒ ዝተነግረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መርመራ ኣስታት 19 ሽሕ ዝቁጽሮም መንእሰያት፡ ትምህርቲ ንምቅጻል ዘክእሎም መሕለፊ ነጥቢ ከምዘይረኸቡ ምግላጹ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ኲናት ምንቅስቃሳት ብምትእስሳር ብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ስጋኣት ክወድቃ ጌሩ ምህላዉ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት ዶር ብስራት ገብሩ ዝሃበቶ ሓበሬታ ውጺኢት፡ ሓፈሻዊ ድምር ናይ ሎሚ ዓመት ተሳተፍቲ መርመራ ማትሪክ 24,092 ምንባሩ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ካብዚኦም 84.1% ናይ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይክኣሎን ተመሃሮ ስነ ኪነትን፡ ዝተረፉ 15.9% ድማ ንኻልኣይ ግዜ ክፈተኑ ዕድል ዝረኸቡ ኰይኖም፡ ካብዚኦም 19.8 % ተማሃሮ፡ 12.2% ብዲግሪ፡ 7,6 % ድማ ብዲፕሎማ ናብ ዝቅጽል ደረጃ ትምህርቲ ዝተሰጋገሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 79.2 % ግን ናይ መሕለፊ ነጥቢ ከምዘይረከቡ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ዝተረፈ ዕድሚኦም ኣብ ሃገራዊ ባርነት ከሕልፍዎ ዝፍረዱ ብምኳኖም፡ ዕጫ ዞም ትምህርቲ ንምቅጻል ዕድል ዘይረከቡ መንእሰያት ኲናትን ስደተን ከይከውን ከቢድ ስጋኣት ኣብ ስድራቤታት ተፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
መግለጺ ዶር ብስራት ብዘይካ”ቶም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረክቡ ዝሓለፉ 20% ተማህሮ፡ ዝተረፉ 80% ተማሃሮ መንግስቲ ዝውስነሎም ዕድል ዝጽበዩ ምኳኖም ርዱእ ኮይኑ፡ ብዘይካቶም ሓሊፍኩም ዝተባህሉ 4770 ተመሃሮ፡ ኣስታት 20ሽሕ መንእሰያት ጉጅለ ህግደፍ ናብ ዝምድበሎም ኣሃዱታት ዝለኣኩ ብምኳኖም፡ ሕጂ ውን ቁጽሪ ስደት ኤርትራውያን ብዕጽፍታት ክውስኽ ከምዝክእል”ዮም ምንጭታትና ስጋኣቶም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣለዋኒ ዝብለን ናይ ትምህርቲ ኮሌጃት ዓመታዊ ካብ 5 ሽሕ ተመሃሮ ንላዕሊ ናይ ምእንጋድ ዓቅሚ ከምዘይብለን ኣብ ሓበሬትኦም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ በዚ ከኣ ዓመታዊ ዝካየድ ሃገራዊ መልቀቒ መርመራ ኣዚዩ ከቢድ ኮይኑ ከምዝዳሎ ብምግባር ዝተወሰኑ ተማሃሮ ጥራሕ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ከምዝግበርን፡ ዝተረፉ ከኣ ናብ ምኒስትሪ ምክልኻል ከምዝሰጋገሩን ዝጠቀሱ ኮይኖም፡ ሕጂ ውን ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝገብሮ ዘሎ ናብ ኲናት ዝወስድ ምትኹታዃት ብዝሒ ዘለዎም ሓደሽቲ መንእሰያት ናብ ክፍለሰራዊታት ክኸቱ ዝፍረዱ ብምኳኖም፡ ስደት ኤርትራውያን ገና ብዕጽፍታት ክውስኽ ከምዝኮነ”ዮም ስጋኣቶም ዝገልጹ።