
ዲሞክራሳዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ራሳዶ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዕጥቃዊ ምንቅስቃስ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ምንቅስቃስ ኮይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸር ህዝቢ ኣብ ዝተረክቦ ኣጋጣሚ ኣብ ከተማ ሰመራ ህዝባዊ ጉባኤ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።
ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝንቀሳቐስ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (RSADO)፡ ኣብ ከተማ ሰመራ-ሎግያ ናይ ክልል ዓፋር ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ንግደፍን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት ኣምሪሑ፡ ህዝቢ ዓፋር ግዳይ ከይከውን ከቢድ ስጋኣት ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ገዚፍ ዕንወት ከይፈጸመ ዝእለየሉ መድረኻት ንምፍጣር ዕጥቃዊ ቃልሲ ክቅጽል ምኳኑ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ጉጅለ ህግደፍን ንዝካየድ ዘሎ ናይ ቃላት ኲናት ስዒቡ፡ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዓውደ ውግእ ንኸይከውን ዘጠንቀቐ ራሳዶ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ወደብ ካብ ኤርትራ ክትረክብ ድላይ የብሉን ድሕሪ ምባሉ፡ ውድብ ራሳዶ ንሰናይ ዕድል ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዘሐይል”ዩ፡ ፕረዚደንት ናይቲ ውድብ ኢብራሂም ሃሩን ዝገልጽ።
ዲሞክራሳዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ራሳዶ ኣብ መግለጺኡ፡ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር፡ ንዘመናት ሓድነቱ ዓቂቡ፡ ካብ ሓውሲ ደሴት ቦሪ ክሳብ ራሓይታ ኣብ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ መሬት፡ ናይ ሓባር ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ኣነባብራን ብምንባር፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ከም ማሕበረሰብ መነባብሮኡ ኣጣይሱ ኣብ ምንባር ምጽንሑን ዝገለጸ ኮይኑ፡ መራሕቲ ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወከልቲ ስደተኛታት፡ መራሕቲ ቀቢላታት፡ ፍሉጣት ምሁራት፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝመጹ ወከልቲ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣጋጣሚ ህዝባዊ ጉባኤ ብዓወት ከምዝፈጸመ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ከባቢኡ ሰላም ሰፊኑ፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ደሞክራስያዊ ስርዓት እንተተተኺሉ፡ መሰላተይ ክወሓስ’ዩ ዝብል እምነት ሒዙ፡ ኣብ ጎድኒ ካልኦት ብሄራትን ህዝብታትን ኤርትራ ብምኳን፡ ርኡይ ኣበርክቶን መስዋእትን ከፊሉ”ዩ ዝበለ ራሳዶ፡
ይኹን እምበር ኤርትራ ናጽነት ካብ እትረክብ ኣትሒዙ፡ ገዛኢ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብዙሕ በደላትን ግፍዕታትን ከምዝፈጸመን፡ ብመሰረት ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ንዝተዋህቦም መሰላት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓንቀጽ 1 ክሳብ 25 ተዘርዚሩ ንዘሎ መሰላት ብምግሃስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ርህራሄ ዘይብሉ ጭቆናን በደልን ብምፍጻሙ፡ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ቤትንብረቱ ተመዛቢሉ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት በራህለን ኣይሳይታን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጅቡቲን የመንን ተበቲኑ ምህላዉን፡ ብፋላይ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ውን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ 60 ዓመት ዕድሚኦም ሽማግለታት ደቂ ዓፋር ናብ ተዓሊም ብምእታው ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ክኸፍት ይሸባሸብ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ኣንጻር እዚ ጨኳኒ ጉጅለ ንምክያድ ምውሳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ ናይ ሽድሽተ ነጥብታት ጻውዒት ዘቅረበ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡
1ይ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዝፈርስ፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝረጋገጽ ቃልሲ ብቆራጽነት ክቕጽል።
2ይ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልሱን ዕላማታቱን ብመስዋእቲ ክሳብ ዝዕወት፡ ደው ክንብል ምኳኑ።
3ይ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት፡ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝርከቡ ስደተኛታት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ መሰል ምዝገባ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሳልሳይ ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድላትን ክኽብሩ።
4ይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጨቋኒ ስርዓት ሓራ ክሳብ ዝወጽእ፡ ሓባራዊ ቃልሲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከሐይልን ክንድግፍን ።
5ይ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስታት እዚ ዞባ፡ ንባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ኮኒኖም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ።
6ይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር” ዝብል መሰላትና ዝረግጽ ጨቋኒ ስትራተጂ ብጽኑዕ ብምቅዋም፡ ካብዚ ምልካዊ ስርዓት ሓራ ወጺእና መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብና ክሳብ ዝረጋገጽ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ንምቕጻልን ንምሕያልን ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልውነትና ነረጋግጽ ብምባል፡ ዕዉት ጉባኢኡ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።