
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ረቡዕ ምሸት ድሕሪ ዘካየዶ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ትርጉም ኣልቦ ቃለመሕተት፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስርዓተ ለውጢ ድሌቱን ቅርቡነትን ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ቃል ክህብ ዘይመረጸሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ደቀን ዘይተነግራ ስድራቤታት ዝፈጥሮ ስምዒትን ቁጥዐን ኣብ ግምት ብምእታ ምንባሩ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቀሱ ተቃለስቲ ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ውን ብተመሳሳሊ፡ ክልተ ሰዓታት ቃለመሕተት ዘካየደ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ተንታኒብፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንክመስል ብቃላቱ ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኣመሪካ በጺሑ ክነሱ፡ ንዘቤታዊ ጉዳያት ሃገር ሰጊርዎ ክሓልፍን ኣይጥዕመንን”ዩ ኢሉ ከሽካዕልልን ምፍታኑ፡ ዝፈጠሮ ነድሪን ቁጥዐን ብምዕቃን መዐገሲ ንምግባር ጥራሕ ናብ ቃለመሕተት ምቅራቡ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ረቡዕ ዘቤታዊ ዝተሰምየ ቃለመሕተቱ ውን፡ ብሱዳን ጀሚሩ ንጉዳይ ሃገርና ተስፋ ብዘይህብ ቃላት ሰጊሩ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ፡ ህዝቢ ኣብ ጫፍ በጺሕዎ ንስርዓተ ለውጢ ድልው ክኸውን ጌርዎ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ዘካየዶ ዘቤታዊ ቃለመሕተት፡ ንጉዳይ ቀረብ መጓዓዝያ፡ ህጽረት መንበሪ ኣባይቲ፡ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ሃብቲ ዓሳን ካልእን ኣመልኪቱ ን35 ደቃይቅ ናብ ዝከደ ቃላቱ፡ መራሒ ሃገር”ዩ ክትብሎ ብዘሕፍርን ስምዒትን ኣዚዩ ብዝወረደ ቃላትን፡ “ክግበር ኣለዎ” “ክንገብር ኣለና” ጥራሕ ብዝብሉ ቃላት፡ ኤርትራ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኣብ ፍጹም ጥፍሽና ምህላዋ ምግላጹ፡ ኣብ ህዝብና ፈጢርዎ ዘሎ ነድርን ቁጥዐን ከቢድ ምኳኑ ዝጠቀሱ እቶም ተቃለስቲ፡ ኣብዚ ሰዓት እቲ ኣብ ፍጹም ተስፋ ምቁራጽ ዝርከብ ህዝቢ፡ ኣብ ኤርትራ ኩለንተናዊ ስርዓተ ለውጢ ንምርግጋጽን ሃገር ንምድሓንን ዝሕተቶ ክህብ ኣብ ድልዉነት ምብጽሑ”ዮም ዝገልጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ንስርዓታት መግዛእቲ ክዝክርን፡ ዋጋ ብዝኸፈለሉ ሃገራዊ ናጽነቱ ክሓዝንን ተገዲዱ ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ተቃለስቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ንውልቀመላኺ ኢሰያስ ከም ሓደ ኣረሜናዊ ፋሽሽታዊ ገዛኢ ይጥምቶን ይጽየኖን ብምህላዉ፡ ኣብ ዝኮነ ሰዓት ንዝፍጠር ማዕበላዊ ስርዓተ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ደገፉ ዝህበሉ ግዜ ኣኺሉ ምህላዉን፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ብቃላቱ ቃልስና ከምዝደገፈን”ዮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዘበስሩ።