
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣቢሉ ንቃለመሕተት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኢሰያስ ቀላሲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምኳን ነቂሉ ኣብ ኤርትራ ዝፈሸለ ውልቀመላኺ ምኳኑ ገሊጹ።
ብመንገዲ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ክልተ ክፋል ተኸፊሉ ዝቀረበ ግብረመልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘልዓሎም ነጥብታት፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብታ ብውልቃዊ ፍቃዱ ጥራሕ እትምእዘን ኤሪቲቪ ቀሪቡ ዝሃቦ ሰፊሕ ትርጉም ኣልቦ ቃለመሕተት፡ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገሩ ጎስዩ፡ ኢትዮጵያ ዝሃነጸቶ ሓጽቢ ህዳሴ ግድብ ንግብጽን ሱዳንን ንምጉዳእ ዓሊሙ ዝተሰርሐ ፕሮጀክት”ዩ ክብል ምድፋሩ፡ እቲ ውልቀመላኺ መራሒ ሃገር”ዩ ክትብሎ ዘድፍር ቁመና ዘይብሉ ተራ ተንታኒ ፖለቲካ”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ንኤርትራ ብቁጠባዊ ምዕባለን ዲሞክራስን ናይ ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድን ሞዴል እትኽተል ሃገር ክንገብራ ኢና ኢሉ ተበጊሱ ክነሱ ዝፈሸለ ውልቀመላኺ፡ ኤርትራ ብኩለመዳያዊ ዕንወት ኣብ ኮማ ኣትያ እንዳሃለወት፡ ኣመሪካ ልዕልናኣ ተመንጢሉ”ዩ፡ ብሪክስ ፈሪሱ”ዩ፡ ቻይና ሓይላ ወጽያ እያ፡ ራሻ ውን ኣብ ጽቡቅ ቁመና ኣላ እንዳበለ ክህውትት ምፍታኑ፡ ናይ ዕድመን ሽምግልና ንበይኑ ብስለት ከምዘይፈጥር ክትርዳእ ዝገብር”ዩ ክብል”ዩ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝገልጾ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ መሰል ከምዘለዎ ዜጋ ኮይኑ ብድፍረት ከምዝዛረብ ዝጠቀሰ እቲ ብመንእሰያት ዝቀረበ ግብረመልሲ፡ እቲ ውልቀመላኺ ብዛዕባ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኢትዮጵያ ዘቅረበቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ካልእን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፡ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝዝወር ተልእኮ”ዩ ክብል ምድፋሩ ውን፡ ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኤርትራ ንምህዳም ዝመርጾ ከውሊ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስን ንኢትዮጵያን መሪሕነነታን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ኣዚዩ ዝወረደ ቃላት ዝሓዘለ ጸርፍን ዘለፋን ውን፡ ብግልጺ ኲናት ዝዕድም ናይ ተኩሱለይ ተግባራት ምኳኑ ዝገለጹ እቶም መንእሰያት፡ ምስ ኢትዮጵያ ብባሕሪ ዝዳወባ ሓሙሽተ ሃገራት እንዳሃለዋ፡ ንሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብውልቁ ክሳብ ክንድዚ ክጻቦኦ ምፍታኑ ውን፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ እዩ ኢሉ ስለዛኣምን ዲዩ ዝብል ሕቶታት ከተልዕል ዝገብር ከምዝኮነ”ዮም ዝገልጹ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ድሌታ ብወገን ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንምንታይ ከም ገበን ከምዝቁጽር ምርዳእ ከምዝጽግሞም ዝገለጹ እቶም ወሃብቲ ግብረመልሲ መንእሰያት፡ ውልቀመላኪልኺ ኢሰያስ ሃገር ምሉእ ከርዲኑ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናብ ሰራዊት ክምለሱ፡ ማንም ኤርትራዊ ካብ ሃገር ከይወጽእ፡ ኩሉ ኣባል ሰራዊት ኣብ ተጠንቀቅ ክቐውምን ካልእን እንዳገበረ፡ ንኢትዮጵያ ብምድላው ንኲናት ክኸሳ ከምዘይግባእ ድሕሪ ምጥቃሶም፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወጠኖ ኩሉ ዓይነት ክፋእ ብዘይፍረ ከምዝተበተነ”ዮም ዝገልጹ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታማ፡ ብሸበድበድ ንሶማልን ግብጽን ዝሓወሰ ጸረ ኢትዮጵያ ሽርክነት ክምስርት ከምዝተጓየየ ኣብ’ቲ ግብረመልሲ ዝጠቀሱ ኮይኖም፡ ይኩን እምበር እቲ ኩሉ ኢትዮጵያ ንምንብርካኽን ብድላይ እቲ ውልቀመላኺ ትምራሕ ሃገር ንምግባራን ዝከዶ ርሕቀት ኩሉ ብዜሮ ከምዝረብሐ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ መደምደምታ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምኳን ገዲፉ፡ ዕዮ ገዙኡ ክገብር ከምዝግባእ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ኣብ ፖከቲካ ኢትዮጵያን ዓለምን ኪኢላ ኮይኑ ካብ ምቅራብ ንላዕሊ፡ ኣብ 1998 ንዝተነድፈ ቅዋም ኤርትራ ብምጽዳቅ፡ ኤርትራ ብሕጊ እትምራሕ ቅዋማዊት ሃገር ጌሩ ከርእየና ይግባእ ብምባል፡ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ ማዕቀኑ ግብረመልሲ ክህብዎ ተሰሚዖም።