
ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኤርትራ ብዝዓስከረ ኣረሜናዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝበጽሖን፡ ከም ሳዕቤኑ ናብ ገደብ ኣልቦ ስደትን ፍልሰትን ከምዝወደቀ ዝገለጸ ደሞክራስያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ መግለጺኡ ብጉጅለ ህግደፍ ስርዓታዊ ምጽናት ዓሌት ህዝቢ ዓፋር ይካየድ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ውድብ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንቁጠባዊ ረብሓ ህዝቢ ዓፋር ካብ ምምዝማዝ ሓሊፉ፡ ብግዴታ ናብ ወተሃደራዊ ዕስክርና ምውሳድ፡ ምእሳርን ብዘይ ፍርዲ ምስዋርን ዛኣመሰሉ ከበድቲ ናይ ምጭፍላቕ ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።፡
ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስደትን የጋጥሞም ከምዘሎ ዝጠቀሰ ውድብ ደሞክራሲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ዝገልጽ 120 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ’ውን ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ህዝብታት ኣፍሪቃ ኣቕሪቡ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡
ኣስታት 300 ሽሕ ተወላዶ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብምህዳም ኣብ ስደት ሰፊሮም ከምዘለዉን፡ መንነት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንምቕያር ናይ ዲሞግራፊ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ያሲን መሓመድ፡ ዓለም ስቃይ ህዝቢ ዓፋር ክትግንዘብ ከምዝግባእ”ዩ ዘተሓሳስብ።
ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተጨውዩ፡ ተዓሚጹ፡ ተጨፍሊቑ፡ ክሳብ 300 ሽሕ ዝግመት ህዝቡ ተሰዲዱን ተመዛቢሉን፡ ግዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ መንነት ዝቕይር ግፍዕታት ዲሞግራፊን ይከውን ምህላዉ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ውድብ ደሞክራሲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዓሊ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ቁጠባዊ ንጥፈታቱ ኣብ ባሕሪ ዝምርኮስ፡ ምስ የመን፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝራኽብ ህዝቢ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ይኹን እምበር ኣብ ኤርትራ መንግስቲ”የ ዝብል ኣረሜናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ብዝወሰዶ ዘሎ ኢሰባኣዊ ተግባራት፡ ናብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቑ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህዝቢ ዓፋር ጎረባብቲ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝተኣሳሰር ህዝቢ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን እቲ ዝነበረ ርክባት ተበቲኹ ምስ ምህላዉ፡ ህዝቢ ዓፋር ምጽናት ዓሌት ይፍጸሞ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዕጹው ቦታ መከራ ተኸርዲኑ፡ ብሕጽረት መድሃኒት ሰብ ዝሞተሉ ኩነታትን፡ ብስእነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ዝሳቀየሉ ከቢድ ሓደጋን ገጢምዎ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ናብ የመን፡ ጅቡቲ፡ ወይ ውን ሱዕዲ ዓረብ ንምኻድ ዘይከኣል ብምኳኑ ውን፡ ህዝቢ ዓፋር ኤርትራ ኣብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።