
ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት፡ ህወሓት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ቤትጽሕፈቱ ተኣሊዩ ዝጽንሐ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ፡ ድሕሪ”ቲ ዝተጓሃሃረ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ተዓጂቡ ኣብ ከተማ ማይጨው ናብ ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ከምዝተመልሰ ተገሊጹ።
“ህወሓት ዝፈጸመቶ ወራር፡ ቆለ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንምድሳት”ዩ ኔሩ” ዝበለ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ፡ ድሕሪ”ቲ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ ስልጣኑ ምህላዉን ገና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ምኳኑ ከምዝፈልጥን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝኸር ኮይኑ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ድሕሪ ዘካየዶ ከቢድ ህዝባዊ ተቓዎም፡ እቲ ፈሪሱ ዝተባህለ ምምሕዳር ዳግማይ ናብ ስርሑ ከምዝተመልሰ”ዩ ዝንገር።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣባላት ኣርሚ 24፡ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ ናይ ምፍራስ ኦፕሬሽን ንምፍጻም፡ ናብቲ ምምሕዳር ኣትዮም ምጽንሖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ድሕሪ”ቲ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ራያ ዩኒቨርስቲ ኣትዮም ምህላዎም”ዩ ዝንገር።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ወጥሪ ኣብ ዝጸንሐ ዞባ ደቡብ ትግራይ ለውጢ ኣመሓደርቲ ይግበር ከምዘሎን፡ ነቲ ለውጢ ዝመርሑን ዘተግብሩን ኣካላት ጸጥታ ውን ናብቲ ዞባ ከምዝተልኣኹን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ማይጨውን ከባቢኡን ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ክቅበሎ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ሓያል ህዝባዊ ቁጥዐ ተፈጢሩ፡ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ምውጹኡ ስዒቡ እቲ ምምሕዳር ናብ ቦቱኡ ምምላሱ”ዩ ዝእመን።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝተኻየደ ማሕተም ናይ ምሕዳግ ስጕምቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ክካየድ ከምዘይቅበልን፡ ንሓይሊ ጸጥታን ህዝቢ እቲ ዞባን ብምትሕብባር ክቃለሶ ምኳኑን ውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሰዓት ናብ ስርሑ ተመሊሱ ምህላዉ”ዩ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።