
ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ጽምዶ ዳሳት፡ ኣብ መሬት ትግራይ ክካየድ ዝብል ሕቶ ብወገን ትግራይ እኳ እንተቀረበሉ፡ ንዝቀረበሉ ሕቶ ብኣሽካዕላል ከምዝነጸጎ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ህዝቢ እገላ ደገብሲ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ደንደስ ሩባ በለሳ ብወገን ኤርትራ ዝተካየደ ናይ ጽምዶ ዳስ፡ ኣብ ትግራይ ገሩሁ ስርናይ ንኸዳሉ፡ ኣዳላዊት ሽማግለ ኮሚተ ወዲቡ ናብ ካድራት ህግደፍ ጾሮና ሕቶ ከምዘቅረበ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ካድራት ጉጅለ ህግደፍ ጾሮና ነቲ ካብ ትግራይ ዝቀረበሎም ሕቶ፡ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራ ተኻይዱ እንዲዩ፡ ንምንታይ ዕላማ”ዩ ገሩሁ ስርናይ ክካየድ ተደልዩ ብምባል፡ ነቶም ሕቶ ዘቅረቡ ኮሚተ ዘገረመ ናይ ኣሽካዕላል መልሲ ከምዝሃቡ”ዮም ኣብ መልእክቶም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ወጥሪ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብስም ጽምዶ ንዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትእስሳር መዝሚዙ፡ ትግራይ ጅሆ ንምሓዛን ኣብ ልዕሊ ፈደራል ጸብለልታ ኣለኒ ንምባልን ብዕላማ ይሰርሕ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ከም ውጺኢቱ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንቅስቃሳቱ ዝኮነ ዓይነት ጸገማት ከምዘይብሉ ብምጥቓስ፡ ብወገን ኤርትራ ግን ህዝቢ ናብ ዶባት ገጹ ከይንቀሳቀስ ከቢድ ጥንቃቀ ከምዝግበረሉ”ዮም ዝገልጹ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ብጉጅለ ህግደፍ ተወዲቡ ክካየድ ዝጀመረ ናይ ጽምዶ ዳሳት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ብካድራት ህግደፍ ዝንገሮ፡ ሰላም ዝተፈጥረ መሲልዎ ብናጽነት ናብ ዶባት ክንቀሳቀስ ፈቲኑ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ምንክልባትን ከምዝኮነ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ካድራት ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ብመንገዲ ጽምዶ ንዞባዊ ሰላም ትሰርሕ ምህላዋ ከምስሉ ዝዝርግሕዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ባይታ ከምዘየለን፡ ባኣንጻሩ ህዝቢ ክፉት ምንቅስቃሳት ከይፍጽም ብጥብቂ ይሕሎ ምህላዉን”ዮም ዝገልጹ።