
ብውልቀመላኺ ኢሰያስ እንዳተመርሐ፡ ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ናብ ዘይትፈልጥ ውርደትን ዕንወትን ክትወድቅ ዝገበረ ኣረሜናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ክጠፍእ”ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ፡ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ቲቦር ናጊ ኣብ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ።
ኣብ ሃገራት ጊኒ ከሙኡ ውን ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝዓየየን፡ ኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ዝኮነ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ቲቦር ናጊ ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ መሪሕነት ግምባር ሰማያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ብምኳን ኣብ ኣብ ኣፍደገ ቤጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብምኳን ንዝተወስደ ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ሰይጣናዊ ሓሳብ ጉጅሉኡን ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ምድሪ ኤርትራ ተሓኺኹ ክጠፍእ”ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ቲቦር ናጊ ኣብ መልእኽቱ፡ ምስ ዲፕሎማቲክ ጉጅለ ግምባር ብርጌድ ንሓመዱ ምርካበይ ብጣዕሚ ሕጉስ”የ ድሕሪ ምባሉ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ሓዘን ከምዝስምዖ ብምግላጽ፡ ሃንጋሪ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኮሚኒዝም ወዲቃ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሃንጋሪ ዝተፈጥረ ክስተት ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ኣረሜናዊ ኮሚኒስታዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ሓራ ክትወጽእ”ያ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።