
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንግብጺ ናይ 4.7 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ኣጽዋር ከምዘጽደቀ ተገሊጹ።
ብመሰረት እዚ ጸዲቁ ዘሎ መሸጣ ኣጽዋር፡ ግብጺ ካብ ኣመሪካ ከም ራዳር፡ ሚሳይላት፡ ሎጂስቲካዊ ቀረባትን ደገፍ ምህንድስናን ክትረክብ ምኳና ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ግብጺ ካብ ኣመሪካ ትረክቦ ዘላ ኣጽዋር ስርዓተ ምክልኻል ሰማያት፡ ከም ሄሊኮፕተራት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮናትን፡ ክሩዝ ዝዓይነቱ ሚሳይላትን ክዓግት ከምዝክእል”ዩ ዝንገር።
ግብጺ ኣባል ማሕበር ሰሜን ኣትላንቲክ ዘይኮነት ክንሳ፡ ሓንቲ ካብ ቀንዲ መሓዙት ኣመሪካ ኮይና፡ ዕላማ ኣመሪካ ውን ብቀንዱ፡ ጸጥታዊ ድሕነት ግብጺ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ሰለማዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ቁጠባዊ ዕብየቱን ኣበርክቶ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ዝርከብ።
ብዘይካ’ዚ ጸዲቁ ዘሎ ናይ 4.7 ቢሊዮን ዶላድ ወተሃደራዊ ደገፋት፡ 26 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካን 34 ኮንትራክተራትን፡ ስልጠናን ቴክኒካዊ ሓገዝን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ግብጺ ንምሃብ ናብ ግብጺ ክጓዓዙ ምኳኖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ መሸጣ ኣጽዋር ኣጽዲቑዎ ወላ”ኳ እንተኮነ፡ ብኮንግረስ እታ ሃገር ዝውሰድ ውሳነ ተሪፉ ምህላዉ”ዩ ውን ተገሊጹ ዝርከብ።
ግብጺ ካብ 1979 ጀሚራ ምስ እስራኤል ዝገበረቶ ውዕል ሰላም ኣኽቢራ ትጓዓዝ ብምህላዋ፡ ዓቢ ናይ ኣጽዋር መሸጣን ደገፍትን ካብ ኣመሪካ ክትረክብ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2024 ውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ዕድጊ ኣጽዋር ምስ ኣመሪካ ተሰማሚዓ ምንባራ ኣይርሳዕን።
ግብጺ ንእስራኤል ተኸቲላ ካልኣይ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓገዛት ካብ ኣመሪካ እትረክብ ሃገር ኮይና፡ ካብ 1979 ጀሚራ ዓመታዊ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዛት ካብ ኣመሪካ ክትቅበል ምጽንሓ”ዩ ዝንገር።