
ESU ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ቃለመሕተቱ ስም ኢማራት ንምልዓዓል ዝተጠቅመሎም ቃላት፡ ራዕዲ ናይቲ ጉጅለ ዘጉልሕ ምኳኑ ገሊጹ።
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ (ESU)
ብመወከሲ ቁ. MR.267925 ዝባር 02
ኣብ ዘውጾኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትስ ዝተዋህበ ቃለእምነት ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ውልቀመላኺ ብኢማራት ዓረብ ከቢድ ስጋኣት ተሰሚዕዎ ምህላዉ ክትርዳእ ዝገብር ምኳኑ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ (ESU)፡ ከም ነጻን መሰላት ኣባላቱ ዘውሕስን ትካል መጠን፡ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትስን ክቡር መሪሕነታን ዝተዋህበ ርእይቶ፡ ንዓቢ ስግኣት ናይቲ ጉጅለ ዘረድእ ምኳኑ ክገልጽ ይፈቱ ዝበለ እቲ ትካል፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታትና ዘሎ ነባር ታሪኻውን ሞያውን ዝምድና ንምዕቃብ፡ ዝርዝራዊ መብርሂን መርገጽን ክህብ ተገዲዱ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ (ESU)፡ ዝርዝር ዝወሰዶ በዓል ስለስተ ነጥብታት መርገጺ ዘቀመጠ ኮይኑ፡ ሓደ፡ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብመንግስቲ ኤርትራ”የ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ዝተገልጸ ሪእይቶ፡ ናይቲ ጉጅለ ወግዓዊ ቅዋም እምበር፡ ናይ ማሕበርናን ኣባላቱን ኣረኣእያ ብፍጹም ከምዘየንጸባርቕ ብትሪ ነረጋግጽ። ማሕበርና ንውልቀ-ሰባት ዘይኮነስ፡
ንባሕረኛታት ጥራይ እዩ ዝውክል።
ካላኣይ፡ ማሕበረሰብ ባሕረኛታት ንህዝብን መንግስትን ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትስ ዝለዓለ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣለዎ። ነቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ልባዊ ምስጋናና ክነቕርብ ንፈቱ።
ሳልሳይ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትስ ንኣባላትና ወሳኒት መሓዛን መዕቆቢትን እያ። ኣሽሓት ኣባላትና ኣብቲ ሰላማውን ምቹእን ወደባታን ማያታን ብምስራሕ ህይወቶም ቀይሮም እዮም። ነዚ ክቡር ዝምድና’ዚ ንዕቅቦን፡ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ድማ ቆራጻት ምዃንና ነረጋግጽ ዝበለ
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ (ESU)፡ ንመርገጺ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘይሓብሮ”ዩ ኣብ ወግዓዊ መግለጺኡ ዘረድእ።
እዚ መግለጺ’ዚ፡ ሞያዊ ክብረትናን መጻኢ ዕድላትናን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ንምክልኻል ዝወጸ መርገጺና”ዩ ዝበለ እቲ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ (ESU)፡ ዕላማ ናይቲ ትካል ምስ መሻርኽትና ዘለና ጽኑዕ ዝምድና ምውሓስ”ዩ ክብል”ዩ ወሲኩ ዝገልጽ።
ማሕበርና፡ ምስ ኩለን ሃገራትን ባሕረኛታት ዘለዎ ምትሕብባር ንምሕያል፡ ቆሪጹ ተላዕሉ ኣሎ ዝበለ ESU፡ ብፍላይ ንዕቤት ብልጽግና ኣባላትናን ስድራቤታዊ ንውሕስነትን ወሳኒ ተራ ዝህልዎ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትስ ዘለና ምሕዝነት፡ ልዑል አቓልቦ ክንህቦ ኢና ክብል”ዩ መግለጺኡ ዝዛዝም።