
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ንኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ይሓስብ ምህላዉ ማዕከን ዜና ሶማሊ ጋርዲያን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ተደጋጋሚ ስዕረት ይገጥሞ ምስ ምህላዉ፡ ንኣዛዚ ሰራዊት ሶማል ጀነራል ኦዳዋ ዩሱፍ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ይሓስብ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ናይ ሕጂ ሚኒስተር ወደባት ሶማል ዝኮነ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ጃማ፡ ከም መተካእታኡ ክሽየም ይሕሰብ ምህላዉ”ዩ ሶማሊ ጋርዲያን ዝገልጽ።
ሚኒስተር ወደባት ሶማል መሓመድ ጃማ፡ ናይ ቀረባ እሙን ዓርኪ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድን ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋን ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ማዕከን ዜና፡ ምሻም ናይዚ በዓል ስልጣን ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ንጽልዋ ቱርኪ ኣብ ወተሃደራዊ መዳያት ሶማል ከዕብዮ ከምዝኽእል”ዩ ግምቱ ዘቀምጥ።
ዓብደልቃድር መሓመድ ጃማ ቅድሚ ሕጂ ከም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማል ኮይኑ ኣገልጊሉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ናይ ሜጀር ጀነራል ወተሃደራዊ ማዕርግ ውን ካብ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ረኪቡ ምንባሩ”ዩ ዝንገር።
ዓብደልቃድር ጃማ ሓላፊ ሰራዊት እንተድኣ ኮይኑ፡ ንሓዳስ መሓዛ ሶማል ኮይና ንዝመጸት ቱርኪ ዓቢ ዓወት ምኳኑ”ዩ ዝንገር።