
ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ብብረት ንምምካት፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንካኣቱ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ዶቼቬሌ ገሊጹ።
ስልጣን ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ንምውዳቕ ካብ ዝሰርሑ ውዳበታት ሓደ ምዃኑ ዝገለጸ “ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ”፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎን፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ውሳነ ከምዝበጽሐን ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ ዓሊ መሓመድ ዑመር፡ እቲ ውዳበ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ምህላዉን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ንምኽፋት ውን ኣብ ምድላው ከምዘሎን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን ብናጽነት ንክንንቀሳቐሱ ዕድል
ከምዝሃቦምን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምስ ህዝብታት ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ጅቡቲን፡ ንዞባዊ ኩነታትን ብዝምልከት ዓሚቝ ዘተ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ከምዝተኻየደን፡ ብደረጃ ትካል ከምዝተሳተፈን ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ኣፈኛ ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራን ዝኮነ ዓሊ መሓመድ ዑመር ንዶቼቬሌ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ካናዳ ዝመደበሩ ካን-ጎ ዓፋር ፋውንዴሽን ብምትሕብባር፡ ንታሪኽ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ኔርትራ፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን፡ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ጸጥታን ተዛማዲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተካየደ ኣኬባ ውድቦም ከምዝተሳተፈ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንህሉው ኩነታት ህዝቢ ዓፋር ዕላማ ዝገበረ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘልዓለን ሰፊሕ ዘተ ከምዝተካየደን ብምጥቃስ፡ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ምድላው ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
“ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ” ቅድሚ 11 ዓመት ኣብ 2014 ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንሃገራት ዓለምን ኣህጉራውያን ትካላትን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “በዳሂ” ኩነታት መረዳእታ ንምሃብ ክእከብን ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ዘረደአ፡ ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ኣፈኛን ናይቲ ትካል፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለውሉ ምክንያት እንከብርህ፡ “ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ” ምስ ኣብዚ ዝነብር ህዝብናን ውዳበታትናን ብሓባር ብምኳን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
“ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ”፡ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተፈጠረ ምቅርራብ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎን ከምዝደገፎን ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብህዝባውን ሕጋውን መሰረት ሒዙ ክቕጽል ሰሪ ዘይምድላዩ እቲ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ከምዝተዓንቀፈ ሓበሬታ ከምዝነበሮም ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ውን እንተኮነ፡ መሊሱ ዝበላሸወ ዝምድና ሃገራት ኤርትራን ኢቱኦጵያን ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእል”ዩ ዝብል ስክፍታኦም ከምዘለዎምን፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ እናቐረበ ይከይድ ምህላዉን”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዶባት እቲ ከባቢ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቃሳት፡ ከበድቲ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ሰራዊት ካብ ከባቢታት ቡሬ ኣጸጊዑ ምህላዉን፡ ጸጥታዊ ኩነታት ንኢትዮጵያ ናይ ምዝራግ ብወገን እቲ ጉጅለ ይረአ ምህላዉን ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡
“ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ” ምስቲ ኣቐዲሙ ጉጅለ ህግደፍ ብሓይሊ ንምውዳቕ ድሌት ከምዘለዎ ብግልጺ ዘፍለጠ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝተሳተፈን፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰናይ ዝምድና ከምዘለዎም ውን ገሊጾሙልና”ዮም ድሕሪ ምባሉ፡ ውድቦም ነዚ ዕድላት ተጠቂሙ ናብ ምሉእ ዕጥቓዊ ቃልሲ ንምእታው ምድልዋቱ ኣብ ምጽፋፍ ምህላዉን”ዩ ዝገልጽ።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ውን ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝተሳተፈ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል “ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ” ኣቲ ዓሊ ዑመር፡ “ኣብ ስርዓት ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ” ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተሰማምዑ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።