
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያ ካብ ሰኑይ ኣትሒዛ ኣብ ውሽጢ “ዓሰርተ ወይ 12 መዓልታት” ምስ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ደው ከተብል ዘገድድ ሓድሽን ሓጺርን ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ዝጥቀስ ምዕባለ ስለ ዘየርኣየ፡ ካብዚ ንላዕሊ ንምጽባይ “ዝዀነ ምኽንያት የሎን፡” ድሕሪ ምባሉ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ውሽጢ 12 መዓልታት ምስ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ከብል ዘገድድ ሓድሽን ሓጺርን ናይ ግዜ ገደብ ከምዘቀመጠ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ንመግለጺ ዶናልድ ትራምፕ፡ “ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ፡” ክብል ኣድናቆቱ ገሊጹ ይርከብ።
ትራምፕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኲናት ደው ንምባል ናይ 50 መዓልታት ዕድል ከምዘለዎን፡ ነዚ ዘይቅበል እንተኮይኑ፡ ንሃገሩ ሩስያ ከቢድ ቀረጽ ክስልዓላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነዚ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ዝመጽእ ሰኑይ ወይ ሰሉስ ከረጋግጾ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳን ካልኣዊ ቀረጽን ክግበር ምዃኑ ግን ደጊሙ ኣረጋጊጹ”ዩ።
ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮለድመር ዘለንስኪ፡ ትራምፕ ንዘቐመጦ ሓድሽ ዝተመሓየሸ ገደብ ግዜ፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዘቀመጦ ጽሑፍ ምስጋኑኡ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተወስደ መርገጺ፡ ኣብ ግዚኡ ዝመጸ”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ህይወት ሰለማውያን ዜጋታት ንምድሓንን፡ ዘስካሕክሕ ኲናት ደው ንምባልን ንዘለዎ “ንጹር መርገጽን ተወፋይነትን፡” ንኢዱ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ምስ ሩስያ ንግዲ ንእተካይድ ዝዀነት ሃገር፡ 100% ቀረጽ ክስልዓላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ስጕምቲ’ዚ፡ ንዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ስለ ዝገብሮ፡ ትካላት ንግዲ ኣመሪካ ብዝሓሰረ ዋጋ ካብ ካልእ ቦታ ክገዝኣኦ ዘክእል፡ ባኣንጻሩ ንሩስያን ምስኣ ዝነግዳ ሃገራትን ከኣ ኣታዊአን ክጐድል ከም ዝገብር እዩ ዝንገር።