
ዓመታዊ ኣብ ዝካየድ ቃለመሕተቱ፡ ዘቤታዊ ቁጠባዊ መዳያት ሃገር ኣብ ፍጹም ውድቀት ምህላዉን፡ ንቁጠባዊ ዕቤት ውሽጡ ሃገር ኣመልኪቱ ዝተሰርሐ ዝጥቀስ ስራሕ ከምዘየለን፡ ኣፉ መሊኡ ብዝዛረብ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ ምስ ሃገረ ጥልያን ቁጠባዊ ስምምዕ ኣብ ኣስመራ ከቲማ ምባሉ፡ መቀጸልታ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይጭበጥ ተስፋ ከደናግርን፡ ህዝባዊ ተቃውሞታት ክቅንስን ዝገብሮ ናይ ምትላል መስርሕ ምኳኑ ተገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ትማሊ 29 ሓምለ 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ልሙድ ናይ ምትላል ሓበሬቱኡ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንብሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ዉሕስነት መግብን ኣግራብን፡ ከምኡ’ውን፡ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ንዝተመርሐ ልኡኽ ኢጣሊያ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ደንደን ከምዘዘራረበን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባዊ ስምምዓት ከምዝተፈረመን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ተከቲሙ ዝበሃል ዘሎ ስምምዓት መቀጸልታ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ክካየድ ዝጸንሐ ሕጫጨ ካብ ምኳን ሓሊፉ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሃገር ዝፈጥሮ ቁጠባዊ ዕብየት ክህሉ ከምዘይኮነ”ዩ ዝእመን።
ኣብ ኣስመራ ዝተካየደ ርክብ ኤርትራን ጥልያንን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐን ኣብ ምዕባይ ክልተኣዊ ሽርክነት ዘተኮረን ርክባት ምዃኑ ዝገለጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይ 2024፡ ኣብ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎንን ኣብ ጥልያን ዝተበጽሐ ስምምዓት ብምኳን፡ ብጭቡጥን ግብራዉን ኣገባብ ንምትሕብባር ዘማእከለ መደባት ምኳኑ ወላ”ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ራዕድን ምጥርጣርን ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ሓርነት ከረጋግጽ ክፈቅድ ከምዘይክእል ንኩሉ ንጹር”ዩ።
ውልቀመላኺ ኢሰይያስን ልኡኽ ጉጅለ ኢጣሊያን ኣብ ስምምዓቶም፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ጸዓት፡ ዕደና፡ ልምዓታዊ መደባት ትሕተ-ቅርጺ፡ ሰንዓ፡ ሕርሻ፡ ሃፍቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህልን ስፖርትን፡ ልምዓት ሰብኣዊ ርእሰማል፡ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ፋይናንስን ብሓባር ክሰርሓ ድሕሪ ምዝታዮም፡ ኣብ ዞባዊ ሰላም፡ ድሕንነትን ምርግጋእን እውን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝምምዕ ምብጽሖም ዝገለጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጉጅለ ህግደፍ ልምዓታዊ መደባት ሃገር ንምሕዋይ ኣብ ስራሕ ምህላዉ ከረድእ ዋላ ዳኣ ይፈትን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ተጌሩ ዝበሃል ዘሎ ስምምዓት ክረክቦ ዝክእል ረብሓታት ክህሉ ከምዘይኮነ፡ ሕሉፍ ምስሊ ናይቲ ጉጅለ ዘረጋግጾ ሓቂ”ዩ።
ልኡኽ ጉጅለ ኢጣሊያ፡ ድሕሪ”ቲ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰይያስ ዘካየዶ ርክባት፡ ኤርትራን ሪፓብሊክ ኢጣልያን ሓባራዊ ቁጠባዊ ጽምዶ ከካይዳ ዝሕግዝ፡ ብሚኒስተር ንግድን ኢንዳስርን ኣቶ ነስረዲን መሓመድንን፡ ከምኡ’ውን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ ተወኪለን፡ ቁጠባዊ ዉዕል ምክታመን ኣብ ሓበሬቱኡ ዝገለጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ምህላዋ ከረድእ ዝፍትን ዋላ”ኳ እንተኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝተበጽሐ ስምምዓት ክረክቦ ዝክእል ቁጠባዊ ረብሓ ክህሉ ከምዘይኮነ ግን፡ ካብ ሕሉፍ ድሕረባይታ እቲ ጉጅለ ዝረጋገጽ ሓቂ”ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ምስ ከም ቻይና፡ ሩስያ፡ ቀጠር፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ነርወይ፡ ስዊዘርላንድ ኢጣልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዛኣመሰላ ሃገራት ዓለም፡ ብስም ክልታኣዊ ሽርንከንት ብዙሕ ስምምዓትን ፌርማን እኳ እንተፈረመ፡ ኣብ ቁጠባዊ ሓርነትን ምርግጋእን ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ዝተራእየ ዝጥቀስ ጽልዋ የለን።