
ኣብ ኣንጎላ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተበገሰ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ዝርከቦም 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 200 ዜጋታት ከም ዝቆሰሉን ልዕሊ 1200 ሰልፈኛታት ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎምን፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ማኑዌል ሆም ገሊጹ።
እቲ ብመራሕቲ ታክሲ ዝተበገሰ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ድሮ ኣብ መላእ ዞባታት ሃገር ተዘርጊሑ ምህላዉን፡ ብሰንኪ”ቲ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከቢድ ተቃውሞ ውን ድሮ ልዕሊ 1200 ሰልፈኛታት ብፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ኣትዮም ምህላዎም፡ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ህዝባዊ ተቃውሞ ኣንጎላ ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ካብ ዝረኣየቶ ህዝባዊ ተቓውሞታት እቲ ዝለዓለ ምዃኑ እውን”ዩ ዝንገር።
ብሰንኪ”ቲ እንዳበኣሰ ክኸይድ ዝጸንሐ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ዓበይቲ ንግዳዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ደው ክብል ተገዲዱ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ዓበይቲ ዕዳጋታት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን፡ ካልእን ደው ኢሉ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ውን ኣብ ገዙኡ ተዓጽዩ ምህላዉን ብምግላጽ፡ እቲ ዕግርግር ኣሰካፊ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ከቢድ መጉዳእቲ ሒዞም ናብ ሆስፒታላት ይመጹ ምህላዎም ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ዶክተር ዝጠቀሰ ኮይኑ። እቲ ዘሕዝን ግን ካብቶም ብከቢድ ተሃሪሞም ዝመጹ ዘለዉ ሰልፈኛታት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ዘሎ ዜጋታት ብዙሓት ምኳኖም ብምጥቃስ፡ ቁጽሪ ግዳያት ካብቲ ብወግዓዊ ኣሃዝ ዝተገልጸ ንላዕሊ ከይከውን ስግኣት ኣለና ክብል”ዩ ስክፍቱኡ ዝገልጽ።
ህዝባዊ ተቃውሞ ኣንጎላ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዋጋ ነዳዲ ብልዕሊ 33 ሚእታዊት ክውስኽ ድሕሪ ምውሳኑ ዝተላዕለ ቁጥዐ ኮይኑ፡ እዚ ወሰኽ እዚ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ሃገር ምኳና ዝንገረላ ኣንጎላ ንዝግትግበር ድጎማ ነዳዲ ንምልዓል ዝተወሰነ ብምኳኑ፡ ህዝቢ ቁጥዑኡ ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ከምዝወጸ”ዩ ዝንገር።