
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ተበጊሱ ምስ ዝርከብ መራሕነት ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ ተራኺቡ፡ ዘተ ኸምዘካየደ ተገሊጹ።
ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ትማሊ ብቓላቱ ምስ ኢትዮጵያ ክዋጋእ ከምዘይደሊ እኳ እንተገለጸ ጭቡጥ ባይታዊ ተግባራቱ ግን ኣዚዩ ሓደገኛ ምዃኑን፡ ሰራዊቱ ናብ ግንባር ቡሬ ኣብ ምጽጋዕ ምህላዉን፡ ኣብ ዝቀደመ መግለጺኡ ጠቂሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም መቀጸልታ ናይት ዝገብሮ ዘሎ ኩለንትነኣዊ ምድላው፡ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ርክብ ከምዘካየደ”ዩ ዝንገር።
“ሃገራዊ ባይቶ ዓፈር ኤርትራ” ኣብ ናይ ትማል መግለጺኡ፡ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊትን ከበድቲ ኣጽዋርን ናብ ዶባት ኢትዮጵያ የንቀሳቅስ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ናብ ኲናት ብምእታው ሰላም ኢትዮጵያ ዝዝረገሉ ኩነታት ንምርግጋጽ ጉጅለ ህግደፍ ይሰርሕ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጥፋኣት ጉጅለ ህግደፍ ንምርግጋጽን ሓርነት ህዝብታት ንምእዋጅን፡ ጸረ ጉጅለ ህግደፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ውን ከምዘረጋገጸ ዝዝከር”ዩ።
ሃገራዊ ባይቶ ዓፋር ኤርትራ፡ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ፡ ኢትዮጵያ ምስቲ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ናብ ኲናት ከይታኣቱ ብምስጋእ ምኳኑ ኣቀዲሙ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከበግስን ንስርዓት ኢሳያስ ከውድቕን ምውሳኑ ውን”ዩ ዘረድእ።