
ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ፡ ዕጡቓት ‘ሓራ መሬት’ ምላዛት ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝሰፈረት ኣሃዱ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ከሲሱ።
ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ትማሊ ኣማስያኡ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ደጀኑ ዝገበረ ናይ ስምረት ፓርቲ ዕጡቕ ሓይሊ ክብል ዝገለጾ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ኣሃዱ ሰራዊት ትግራይ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ከምዝተቐተለ
ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ህይወቱ ዝሰኣነ ተጋዳላይ፡ ሃይሉ ዓንዳይ ክንደያ ዝተብሃለ ከምዝዀነ ውን”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዘነጽር።
ኣብ መዳውብቲ ቦታታት ክልል ትግራይን ኣብ ክልል ዓፋርን ከም ዝነቀሳቐሱ ዝንገረሎም፡ ‘ሓራ መሬት’ እናተብሃሉ ዝጽውዑ ዕጡቓት፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ተፈንጪሎም ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓትን ንዕኡ ዝድግፉ ‘ካብ ኮር ንላዕሊ’ ብዝብል ዝጽውዑ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምእላይ በረኻ ከምዝወጹ ዝገልጹ ኮይኖም፡ እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ሓይልታት ሰላም ትግራይ ዝብል መጸውዒ ዝሓዙ ዕጡቓት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ከባቢታት ደቡብ ምብራቕ ወጀራት ተቐልቂሎም፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ክሳብ ምትዃስ በጺሖም ምንባሮም’ውን ይዝከር”ዩ።
መግለጺ ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ወሲኹ፡ ብስም ‘ሓራ መሬት’ ዘደናግር ክብል ዝጸውዖ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝምወልን ብስምረት ፓርቲ እናተመርሐ ትግራዋይ ነንባዕሉ ንኽዳመ መጋበርያ ዝክውን ዘሎ ሓይሊ”ዩ ክብል ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ብጌታቸው ረዳ ዝቘመ ሓድሽ ክልላዊ ውድብ ስምረት ቀንዲ ተሓታቲ ምኳኑ”ዩ ዘወምት።
ነዚ ስዒቡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብመገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዝዝርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ብውልቍ ዝቐረበ ክሲ ከምዘይክሰሰሉ ብምግላጽ፡ ንቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ትግራይ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ቤትጽሕፈት ኣካል ናይቲ ኣብ ትግራይ ናይ ህልውና ሓደጋ ዝፈጥር ዘሎ ናይ ገበን ኔርትዎርክ እዩ ክብል”ዩ ጽሒፉ ዝርከብ።