
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ምስ ውድብ ህወሓት ዝጀመሮ ስልታዊ ሽርክነት፡ ብስም ጽምዶ ዝጀመሮ ፖለቲካዊ ሽርክነትን ህዝባዊ ናይ ዕርቂ መደባትን ንምምሳሉ ብዓቢኡ ከኣ፡ ኣብ ሞንጎ ተባኢሱ ዘይፈልጥ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ናይ ሕድገታት ተበግሶ ይውሰድ ምህላዉ ንምምሳልን፡ ህዝባዊ ኣጀንዳ ንምግባሩን፡ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ መሓውራቱ ኣቢሉ ኣብ ከቢድ ስራሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም መቀጸልታ ናቱ ሕጂ ውን ኣብታ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከም ፖለቲካዊ ካርታ ዝተጠቅመላ ባድመ፡ ኣብ መንጎ ገምሃሎን ጓል ገምሃሎን ንጽባሕ ሰንበት ናይ ጽምዶ ዳስ ንምትካል ኣብ ምሽብሻብ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ”ቲ ብሰንኪ ኲናት ዝወረደ ዕንወትን መስርሕ ተሓታትነትን፡ ህዝባዊ ርክባት ምዝርራባትን፡ ሽግራት ብምቅርራብ ናይ ምፍታሕ መደባትን”ዩ ዝካየድ ንዝብል ቀሻሺ ተግባራቱ ከም ሽፋን ተጠቂሙ፡ ክሰርሖ ንዝደሊ ፖለቲካዊ ዕላማ ህዝባታት ክዋስእዎ ይሰርሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ባድመ ኣብ መንጎ ገምሃሎን ጓል ገምሃሎን ዝመደቦ ናይ ጽምዶ ዳስ ውን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ብዘይፍለ ህዝብታት ይቅረ ይበሃሃሉ ኣለዉ ንምባል ዝወደቦ ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝሕብሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጹኡ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ብህወሓት ዝዝወር ፖለቲካዊ ሓይሊ ኢሂወደግ፡ ዝኮነ ይኩን ዘተ ከምዘየካይድን፡ እንኮ ዝሓቶ ጠለብ ውን ካብ መሬት ባድመ ጠቅሊልካ ምውጻእን፡ ንውዕል ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኩጀት ምትግባርን ጥራሕ ምኳኑ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ክነግር ምጽንሑ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ነቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጠልቦ ዝነበረ ዘተ ዘይብሉ ውዕላት ናይ ምትግባር መስርሕ ረጊጹ፡ ንቅድም ህዝብታት ይቅረ ክበሃሃሉን ክወሃሃዱን ኣለዎም እንዳበለ ተባኢሶም ብዘይፈልጡ ኣሕዋት ህዝብታት፡ ፖከቲካዊ ስእሊ ክፈጥርን፡ ህዝብታት ከደናግርን ዝገብሮ ዘሎ ጸደፍደፍ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ወጥሪ ብምእታዉ ንክልል ትግራይ በጃ ንምግባር ንዝከዶ ዘሎ ርሕቀት ጥራሕ ከምዘረጋግጽ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ታሪኹ ሰላም ህዝብታት ተመንዩ ዘይፈልጥ፡ ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ትንፋስ እንተረኪቡ፡ ጸረ ስልጣነይ”ዩ ኢሉ ዝሓስብን ረጋጺ ጉጅለ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ነቲ ኣብ ዶባት ዝነብርን ብጌጋ እኳ ተባኢሱ ዘይፈልጥ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ቅድሚ ሕቶ ተሓታትነት ምዝርራብን ህዝባዊ ዕርቅን”ዩ ዘድሊ እንዳበለ፡ ንሰናይ ናይ ሰላም ድሌቶምን ባህጎምን ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ምህላዉ ኣብ መልእኽቶም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ይኩን እምበር እቲ ጉጅለ ኣብ ታሪኩልኹ ንሰላም ሰሪሑ ዘይፈልጥ ናይ ጥፋኣት ጉጅለ ብምኳኑ፡ ኣብ ህዝብታት ኪንዮ ድሌት ሰላም ስጋኣትን ፍርሕን ይዓቢ ብምህላዉ፡ ጽምዶ ብመንጽር እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ድኻማት የዕጋቢ ፍረ ይረክብ ከምዘየለ”ዮም ዝገልጹ።