
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ፡ ንእየሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ዝገበረት ልኡላዊት ሃገረ ፍልስጤም ክሳብ ዘይተመስረተት ዕጥቁ ንምፍታሕ ክሰማማዕ ከምዘይኮነ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ነዚ ዝገለጸ፡ እስራኤል ምቁራጽ ተጻቦኦ ቃዛ ንምፍጻም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ንዘቕረበቶም መሰረታውያን ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝሃበሉ መግለጺ ኮይኑ፡ ሃገርነት ሃገረ ፍሊስጤም ክሳብ ዘይተኣወጀ፡ ሓማስ ዕጥቂ ክፈትሕ ፍቃደኛ ከምዘይኮነ”ዩ መርገጺኡ ኣነጺሩ ዝርከብ።
መግለጺ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ሓምስ ዕጥቍ ንምፍታሕ “ድልውነቱ ገሊጹ” ንዝብል መግለጺ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝኮነ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝተዋህበ ቀጥታዊ መልሲ ከምዝኮነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነቲ እስራኤል ሓደ ካብ ሓያሎ ቀንዲ ቅድመ ኵነታት ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ገይራ ትቘጽሮ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓማስ፡ ሃገርነት ፍሊስጤም ክሳብ ዘይተረጋገጸ ክፍጽሞ ከምዘይኮነ”ዩ ዘረድእ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተዅሲ ደው ንምባልን ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታትን ንምፍታሕን ዝካየድ ዝነበረ ዘይቀጥታዊ ዘተ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ደው ኢሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፈረንሳ ኢንግሊዝን ካናዳን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ መደብ ከም ዘለወን ድሕሪ ምግላጸን፡ ሓማስ ዕጥቍ ክፈትሕ መንግስታት ዓረብ ክሓቱ ምጽንሖን ውን ዝዝከር”ዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ እስራኤል ክሳብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዚያት፡ ዝተወሰኑ ቅድመ ኵነታት እንተዘይኣማሊኣ፡ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ዝገለጸት ኮይና፡ ብኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝርአ ሓማስ ኣብ ብወገኑ፡ ርእሰ ከተማኣ እየሩሳሌም ዝገበረት ልኡላዊት ሃገር ፍልስጤም እንተዘይተመስሪታ፡ ዕጥቁ ክፈትሕ ከም ዘይክእል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሌተናል ጀነራል ኢያል ዛሚር ብወገኑ፡ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ብቕልጡፍ ኽፍትሑ እንተዘይኪኢሎም፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ከም ዘይብል ዘጠንቀቀ ኮይኑ፡ ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ጅሆ ንዝተታሕዘ ኤቭያታር ዴቪድ፡ ጥራይ ነብሱን ብርሃን ኣብ ዘይብሉ በዓትን ኰይኑ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ዕጡቅ ጉጅለ ንፕሮፖጋንዳ ከይጥቀመሉ ዝሓተቱ ስድራቤቱ ብወገኖም፡ መንግስቲ እስራኤልን ኣመሪካን ነቲ ህጻን ንምድሓን ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ ጻውዒት ኣቅሪቦም ዝርከቡ።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብወገነን፡ ኣብ ቓዛ ሰብ-ሰርሖ ጃምላዊ ጥምየት ተከሲቱ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ነታ ንዅሉ ቀረብ ሰባኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዞባ ንከያኣቱ እትቈጻጸር ዘላ እስራኤል ኩነነ ዘቅረቡ ኮይኖም፡ እንተዀነ እስራኤል ኣብ ምብጻሕ ሰባኣዊ ሓገዛት ናብ ጋዛ ዝዀነ ገደብ ከም ዘየለን ጥምየት ከም ዘይተፈጠረን ብምግላጽ፡ ንክሲ ትካላት ሕብራት ሃገራት ምንጻጋ ኣይርሳዕን።