
ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዝነብሩለን ሆቴላት ድሕሪ ዝተኻየደ ተቓውሞታት 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ተገሊጹ።
ጸረ ስደተኛታትን ሰልፈኛታትን ዝኮኑ ጉጅለታት፡ ኣብ ለንደን ኒውካስልን ማንቸስተርን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊታት ድሕሪ ዝተፈጥርዎ ዕግርግር፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትሽዓተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተውን፡ ሸውዓተ ንቅድመ ኵነት ሕጊ ህዝባዊ ስርዓት ዝጠሓሱ ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ዝሓበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ጥራሕ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይተን ስደተኛታት ዘዕቝባ ሆቴላት ተኸታታሊ ተቓውሞታት ክካየድ ምጽንሑን፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ውን፡ ንቍጽሪ ናይተን ሓተቲ ዕቝባ ዘገልግላ ሆቴላት፡ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ጥራሕ ካብ ልዕሊ 400 ናብ ትሕቲ 210 ከም ዘጕደለን፡ ክሳብ 2029 ኣብ ዘሎ ግዚያት ውን፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ዘዕቁባ ሆቴላት ንምጕዳል ዓቢ መደብ ከምዘለዎ”ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ምቅናስ ሓተትቲ ዑቅባ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ከድሕን ከም ዝገብሮ ሓላፊት ግምጃ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ቻንስለር ራቸል ሪቭስ ዝገለጸት ኮይና፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ኢቨት ኩፐር ብተመሳሳሊ፡ መስርሕ ይግባይ ስርዓት ዕቝባ ብምቅልጣፍ፡ ስርዓትን ቍጽጽርን ክትመልስ ከም እትደሊ”ያ፡ ኣብቲ ምስ ሰንደይ ታይምስ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ትገልጽ።
እቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኣብ ከባቢ ኢስሊንግተን ኣብ ዝርከብ ቲስል ሲቲ ባርቢካን ሆቴል ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብጕጅለ ‘ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም’ ዝተመርሐ፡ ብተቓውሞ ብነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተወደበ ምዃኑ ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ እኳ እንተገለጸ፡ ፖሊስ ግን ባኣንጻሩ፡ እቲ ጸረስደተኛታት ዝኮነ ተቃውሞ፡ ካብ ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ወጻኢ ብዝመጽኡ ጕጅለታት ከም ዝተደገፈን፡ ቍጽሪ ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ሰባት ክውስኽ ከም ዝገበረ”ዩ ዘረድእ።
ኣባል ባይቶ ኢስሊንግተን ኖርዝ ዝኮነ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበር ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ ዜጋታት ኣብቲ ኣንጻር ጸረ ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ ክጽንበሩ ምሕጽንቱኡ ዘቅረበ ኮይኑ፡ ጸረ ስደተኛታት ጎስጓስ መሊሱ ክሕይል ከምዘለዎ”ዩ ዝገልጽ።