
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንኩነታት ናይቶም ልዕሊ ዝተወሰነሎም ግዜ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ በጻሕቲ ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ፡ ሓድሽ መደብ መስርሕ ቪዛ ከተኣታቱ ምዃኑ ሮይተርስ ገሊጹ።
እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅምር ፈተነኣዊ መስርሕ ቪዛ፡ ንዝተወሰነ ቪዛ በጻሕትን ንግድን ክሳብ 15,000 ዶላር ቦንድ ክሓትት ከም ዝኽእል ሰኑይ 4 ነሓሰ ንዝወጽአ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ ሮይተርስ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ዜጋታት ኤርትራ ናይዚ ሓድሽ ሕጊ ተጸለውቲ ክኾኑ ከምዝክእሉ”ዩ ዝእመን።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዝርዝር፡ኣስማት በዚ ሓድሽ መደብ ዝጽለዋ ሃገራት እኳ እንተዘይገለጸ፡ ብእገዳ መገሻ ትራምፕ ዕላማ ዝኮና ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ቻድ፡ ሀይቲ፡ ሚያንማርን የመንን ዝርከብአን ሃገራት ግን ልዑል ግዜ ናይ ምሕላፍ መዝገብ ከምዘለወን”ዩ ዝንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ እማመ እገዳ ቪዛ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወሃብ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን እምነት ከምዘይብላን፡ እዚ ድማ መንነት ሰባት ኣብ ምርግጋጽ ስክፍታታት ዘለዓዕል ብምኳኑን ስም ኤርትራ ኣብቲ እገዳ ክሰፍር ምግባራ ዘነጸረት ኮይና፡ ብዘይካ’ዚ መዝገብ ገበን ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣመሪካ ክፉት ስለ ዘይኰነ፡ ጸጥታዊ ስክፍታታት ከምዝፈጥር”ዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ”ቲ ምስ ምምሕዳር ዋሽንግተን ክኸዶ ዝጸንሐ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቀጸለ ዘይምቅዳው፡ ካብ ኣመሪካ ዝተጠረዙ ዜጋታት ከምዘይቅበል ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ዚ ኣብ ገደብ ግዜ ቪዛ ምሕላፍ ውን ኤርትራውያን ልዑል መጠን ከም ዘመዝግቡ ምስ ምጽንሖም ዜጋታት ኤርትራ ቀጥታ ጽልዋ ክገጥሞም ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
ናብ ኣመሪካ ዓዲ ክርእዩ ካብ ዝኣተዉ ኤርትራውያን 20 ሚእታዊት፡ ብትምህርቲ ወይ ብካልእ ምክንያት ካብ ዝኣተዉ ከኣ እቶም 55 ሚእታዊት ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ዘመልከተ ሓበሬታ ሮይተርስ፡ በዚ ከኣ ዜጋታት ኤርትራ በዚ ሓድሽ መደብ ብቀጥታ ክጽለው ከምዝክእሉ”ዩ ዝገልጽ።