
ቤትጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ትግራይ፡ ኣብ ኣብ ዓፋር ብስም ሓራ መሬት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ንካልኣይ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ብትዕግስቲ ክሪኦ ከምዘይኮነን ገሊጹ።
ሓደ ሓደ መራሕቲ ናይቲ ዕጡቅ ጉጅለ፡ ንሓያል ኣወዳድባ ሓይልታት ጸጥታን መንእሰያዊ ሓይሊ ትግራይን ንምድኻምን ንምዝራግን ዕላማ ጌሮም ይሰርሑ ኣለው ዝበለ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ትግራይ፡ በቲ ጉጅለ ንኻላኣይ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ብትዕግስቲ ክዕዘቦ ከምዘይኮነን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኣብ ዓፋር ዝዓስከረ ዕጡቅ ጉጅለ፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ከዳክሙን ክበታትኑን ይክእሉ”ዮም ዝበሎም ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ከሳውር ጸኒሖም እዮም ዝበለ መግለጺ ቤትጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ትግራይ፡ ይኹን እምበር እቲ ናይ ጥልመት ኣጀንዳ ሕጂ ዝጀመረ ነገር ኣይኮነን ድሕሪ ምባሉ፡ ብስም ግዝያዊ ምምሕዳር ንትግራይ ክገዝኡ ካብ ዝጀመርሉ ግዜ ኣትሒዞም ስልጣኖም ተጠቒሞም፡ ህዝቢ ትግራይ ንመንነቱን ህላወኡን ዝኸፈሎ መስዋእቲ ክናስሓሉ በጀት መንግስቲ ይምድቡ ምንባሮም”ዩ ዝገልጽ።
ዕላማኦም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምድምሳስን ተቓወምቲ ሓይልታትና ንምድኻምን እዩ ዝበለ መግለጺ ቤትጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ትግራይ፡
ሕጂ ድማ “መንእሰይ ትግራይ ተንስእ ናብ ዓፋር ኪድ” እናበሉ ስድራኦም ኣብ ኣውሮፓ ኣመሪካ ኣስፊሮም ኣብ ሸራቶን ሆቴል ኮይኖም ሓዊ ያኣጉዱ ኣለዉ ክብል”ዩ ንመሪሕነት ሓራ መሬት ዝከስስ።
“ጻዕዳ ዝለበሰ ከልቢ ኣብ ቅድሚ ጎይታኡ ተባዕ እዩ” ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ብዙሓት ጐይቶቶም ንምሕጓስ ይቃለሱ”ኳ እንተጸንሑ፡ ናይዞም ሰባት ዘረባ ሰምዑ ካብ ህዝባዊ ጉዳዩ ዝወጽእ ተጋዳላይ ይኹን መንእሰይ ከምዘየለ ግን ብልቦም ይፈልጡ”ዮም ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ትግራይ ንረብሓኦም ዝቃለስ ህዝቢ ወይ ሰራዊት የብልናን ክብል”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መንጎ ተወለድቲ ትግራይ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዓቢ ጻዕሪ ንገብር እኳ እንተለና፡ እቲ ካብ ህወሓት ዝተፈንጨለ ጉጅለ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ተጠቒሙ ሓድሕድ ናይ ምጥፋእ ፕሮጀክት ንምዕዋት ሰራዊትና ብተደጋጋሚ ግዜ የጥቅዕ ኣሎ ዝበለ ቤይጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ትግራይ፡ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ከባቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ሰራዊት ትግራይ ብዝተፈጠረ ቶኽሲ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ጽንዓት ከምዝምነ ብምግላጽ፡ ብህጹጽ ደው ዝብል እንተዘይኮይኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኮነ”ዩ ኣጠንቂቑ።