
ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መድረኽ ቱርዲ ፍራንስ 2024 ቀጠልያ ማልያ ብምውናን ኣንጸባራቒ ዓወት ንዘመዝገበ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ወኪል ሃገራዊ ኣምባሳደር ጌሩ ከምዝመዘዞ ኣፍሊጡ።
ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮይኑ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀጠልያ ማልያ ክዕወት ዝኸኣለ 1ይ ኣፍሪቃዊ ስፖርተኛ ንምኳን ዝበቅዐ ቢንያም ግርማይ “ሃገራዊ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክሊማዊ ተበግሶን ምሕያል መንእሰያት ኣብ ኤርትራ” ክኸውን ከምዝሓረዩ”ዩ ዝገልጽ።
“ቢንያም ግርማይ ትእምርቲ መንእሰያት ኣፍሪቃ እዩ” ክብል ዘለዎ ናእዳ ዝገለጸ ወኪል እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ፓ ላሚን በያይ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ቢንያም ግርማይን ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ምዕዋት ተልእኾ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑ”ዩ ዝገልጽ።
ምስ ስድራቤቱ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ቢንያም ብወገኑ፡ ክሊማዊ ለውጥን ሳዕቤናቱን ንምቅላስ ተራ መንእሰያት ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ መንእሰያት ኤርትራ ከም ኩሎም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኣሳታፍን ክሊማዊ-ተጻዋርነት ክህሉ ዝገብርን መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዎም ድሕሪ ምባሉ፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ንምድራት፡ ተጻዋርነት ዘለዎም ማሕበረኮማት ብምህናጽን መንእሰያት ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ምውህሃድ ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑ ንምግባር ዝክኣለና ኩሉ ክንገብር ኣለና ክብል ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ ፕሮፈሽናል ኣትሌት ቢንያም ግርማይ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክኸውን ብUNDP ምምራጹ፡ ዝግብኦ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንቢንያም ግርማይ ሰናይ ናይ ስራሕ ግዜ ተመንዩ።
ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት (Goodwill Ambassador) ዝተፋለለያ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዓበይቲ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን፡ ኣታዊታተን ንምዕባይን ዕላመን ንምዕዋትን ዝዘውትሮኦ፡ ንጸለውቲ ውልቀሰባት ዝወሃብ ናይ ክብሪ መዝነት ኮይኑ፡ ተቀዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ውን ኣካል ናይዚ ዕድል ብምኳን ካብ UNDP መዝነት ከምዝረኸበ”ዩ ዝንገር።
ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዘይካ ቢንያም ግርማይ ፓቶራንኪንግ ከምኡ’ውን የሚ ኣላደ ዝተባህሉ ክልተ ጸለውቲ ናይጀርያውያን ሙዚቀኛታት ውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ ኣፍሪቃን ዓለምን ኣምባሳደራት ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝመዘዘ፡ ብመንገዲ”ቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጨንፈሩ ኣቢሉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣምባሳደራት ንምዕዋት ዕላማታት UNDP ብትግሃት ክሰርሑ ብምጽዋዕ ኣብ ስርሖም ዓወት ተመንዩ።
ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተካየደ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ብምዕዋትን፡ ንቀጠልያ ማልያ ለቢስዋ ብምዝዛሙን ኣብ ዓለም ምሉእ ፍሉይ ታሪኽ ዘመዝገበ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ንምኳኑ ምብቅዑ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ረኪብዎ ዘሎ ናይ ኣምባሳደርነት ክብሪ ውን ንደረጃ ዝረኸቦ ዓወታት መሰረት ዝገበረ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።