
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ኣብ “ምክፋእን ምስይጣንን” ተጸሚዱ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ።
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ተቓውሞ፡ ብወገን ሰልፊ ብልጽግና ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘየቋርጽ ጽልኢ ኣለዋ እንዳተባህለ ዝጋዋሕ ዘሎ ክስታት መሰረት የብሉን ዝበለ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንገስጋስን ብልጽግናን ሃገራት ናይዚ ዞባ ኣዝዩ ከምዘድንቅ”ዩ ኣብ ጽሑፉ ዝገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ዘካየደ ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ” ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ዝኸሰሶም “ሓይልታት” ብስም ደረጃ እኮ እንተዘይጠቀሶም፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን ሓደ ካባኣቶም ምኳኑ ንጹር”ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክግበር ዝጸንሐ ቃላት ኲናት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን ክልቲኦም ውድባት ህግደፍን ብልጽግናን ተፈጢሩ ንዘሎ ከቢድ ወጥሪ ዘመልክት ኮይኑ፡ ብወገን ኤርትራ ደላዪ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ክረአ ዝጽዕር ጉጅለ ግን፡ ነቲ ንዕጡቃት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብልጽግና ዝገብሮ ዘሎ ምትኹታኽ ሸፊኑ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ንሰልፊ ብልጽግና ተሓታቲ ክገብሮ”ዩ ዝፍትን።
ብወገን ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክወሃብ ዝጸንሐ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል መግለጺታትን ‘ናይ ልኡላውነት ጉዳይ’ ኮይኑ ብምቕራቡ ናብ ሓድሽ ግጭትን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ከየምርሕ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መግለጺኡ “ናትና ኣይንህብን፥ ዘይናትና ኣይንደልን” ዝብል ቃላት ዝተጠቅመ ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ፡ ኤርትራ ብዕብየት ጎረቤት ሃገር ከምዘይትቀንእ ከረድእ እኳ እንተፈተነ፡ ህግደፍ ንምውሓስ ዝተረጋገአ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ስጋኣት ከምዝጥምቶ ግን፡ ኣብ ታሪክ እቲ ጉጅለ ዝተጋህደ ሓቂ”ዩ።
ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራ ቅልጡፍን ዘላቕን ዕብየት ሃገራዊ ቁጠባ፡ ውሕስነት ዝህብ ዓቢ ባህርያዊ ጸጋታትን፡ ዓያዪ ህዝብን ሃብቲ ሰብን ኣለዋ ክብል እኳ እንተደፈረ፡ ቁጽሪ ብኽቱር ድኽነት ግዳም-ሓደር ዝኾኑ ዘለዉ ዜጋታት ይውስኽ ምህላዉን’ዩ ግን ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቃለመሕተቱ ተኣሚኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።