
ውድብ ህወሓት ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ፡ ምምሕዳሩ ናብ ኤርትራ ከምዘግዓዞ፡ ሓደ ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ባይቶና ዝኮነ ኣቦ ወንበር ኣቶ ክብሮም በርሀ ገሊጹ።
ርክብ ጉጅለ ህግደፍን ውድብ ህወሓትን እናዓሞቐ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቦ መንበር ሰልፊ ባይቶና ኣቶ ክብሮም በርሃ፡ ናይ ማፍያ ጉጅለ ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓት ኣብ ኤርትራ ከተማ ሰንዓፍ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ከምዝኸፈተን ምሉእ ምምሕዳሩ ኣብ ትሕቲ ውልቀመልቅኪ ኢሰያስ ጌሩዎ ምህላዉን”ዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ክብሮም ወሲኹ፡ ረብሓ ውሑዳት መራሕቲ ንምርግጋጽን ትግራይ ንምጥፋእ ፈተነታት ይግበር ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መራሕቲ ህወሓት “ምስ ኤርትራ ዝምድና መስሪትና” ብምባል ምኽኒት ንህዝቢ ትግራይ ብዘይ ድሌቱ ናብ ዶባት ኤርትራ ይወስድዎ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብስም ጽምዶ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ርክባት ምሉእ ድፊኢት ከምዝግበረሉ”ዩ ዝገልጽ።
ስልጣን ክልቲኦም ውድባት ህግደፍን ህወሓትን ሓደ ኣብ ናይቲ ሓደ ህላወ ዝተመርኮሰ ምኳኑ ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም፡ በብግዚኡ ብዝውልዕዎ ግጭት ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘይምትእምማን ብምፍጣር ቀጻልነቶም ከውሕሱ ምጽንሖም ብምጥቃስ፡ ሎሚ ዝምድና ምፍጣሮም ዘገርም ከምዘይኮነ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ብደረጃ ፖለቲካዊ ምሕደራ ትግራይ ካብታ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ውልቀመላኺ ምሕደራ ኢሰያስ እትመሓደር ኤርትራ ኣጸቢቓ ከምእትሓይሽ ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም፡ ፖለቲካ ኤርትራ ናብ ናይ ትግራይ ገጹ ይመሓየሽ እምበር ትግራይ ናብ ኤርትራ ገጻ ክትምለስ ትክእል”ያ ዝብል ግምት ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ ህወሓት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፍቃድ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ክትመሓደር ፈሪድዋ ምህላዉ”ዩ ዝኸስስ።
ካብ ዜናታት ትግራይ ከይወጻና፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበር እንዳተገቦኦ፡ ተቋሪጹ ዝጸንሐ መደባት ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ብሓድሽ መልክዕ ከምዝጀመረ፡ ኮምሽነር ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ።
ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ ምስንባት መደባት ከም ብሓድሽ መልክዕ ይጅመር ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ተስፋኣለም፡ እቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ከይዲ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ከምዘሎን፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ተታሒዙ ዝነበረ ምስንባት 75 ሽሕ ሰራዊት ኣብዚ ክረምቲ ይቕጽል ከምዘሎ ‘ዩ ዝገልጽ።
ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 65,500 ዕጡቓት ነበር፡ ብወግዒ ተፋንዮም ናብ ሕብረተሰቦም ዝጽምበሩ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ካብዚኦም እቶም 54 ሽሕ ካብ ትግራይ ከምዝኮኑን፡ እቲ ናይ ምፍናው መደባት ክቅጽል ከምዝኮነን”ዩ ዝገልጽ።