
መንግስቲ ካናዳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ናይ መገሻ ሓበሬታ፡ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ኣጠንቂቑ።
እቲ ብመንግስቲ ካናዳ ዝወጸ መግለጺ “ዜጋታት ካናዳ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ናብ ኤርትራ ክገሹ የብሎምን” ዝበል ኮይኑ፡ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ከቢድ ግጭትን ወጥሪን ኣትያ ምህላውው ብምጥቃስ፡ ዜጋታቱ ንድሕነቶም ናብታ ሃገር መገሻ ከይሓስቡ”ዩ ተማሕጺኑ።
ካናዳውያን ብፍላይ ካብ ዶብ ኤርትራ ኣብ ናይ 25 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ናብ ዝርከብ ከባቢታት ፈጺሞም ክጓዓዙ ከምዘይብሎም መጠንቀቕታ ዝሃበ መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ምፍጻም፡ ከቢድ ሓደጋ ከምዝኮነ”ዩ ኣብቲ ብ11 ነሓሰ 2025 ዘውጾኦ ሓበሬታ ዝገልጽ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ግን ርጉጽ ኣይኮነን ዝበለ መንግስቲ ካናዳ፡ ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ኣብ ሓጺር ግዜ ተወሳኺ ናይ ጸጥታ ስጉምትታት ክወስዱ ስለዝኽእሉ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ናብ ኤርትራ መገሻ ምፍጻም ክሕሰብ ከምዘይብሉ”ዩ ዘጠንቅቅ።
ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታቱ፡ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ገደብ ክገብሩ፡ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ኣብ ኢዶም ምህላዉ ከረጋግጹን፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሓበሬታ ንምርካብ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ ክትከታተሉን ዝጸውዐ መንግስቲ ካናዳ፡ ንዝያዳ ውሕስነት ካብቲ ከባቢ ምርሓቅ ተመራጺ ምኳኑ”ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ግዝኣታዊ ምስሕሓብን ዘይምርግጋእ፡ ዕጥቃዊ ግጭት ናዕብን ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳትን ክፈጥር ከምዝክእል፡ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝተኣሳሰር ውን፡ ብዝሒ ሰራዊት ዝሓወሰ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ኣብ ዶባት ይረአ ምህላዉን፡ ኩነታት ክልል ትግራይን ኢትዮጵያን ውን ገና መፍትሒ ተሳኢንዎ ምህላዉን ዝጠቐሰ መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ተሓዊስዎ፡ ኣብ ዝኮነ ይኹን ሰዓት ሓደገኛ ግጭት ክውላዕ ስለዝኽእል፡ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ኤርትራ ምህላው ተመራጺ ከምዘይኮነ”ዩ ንዜጋታቱ ዝምዕድ።