
ብስም ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተቀባልነት ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ንምብራኽ ኣብ ጻዕሪ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ብከባቢታት ኢሮብ ዝመጽእ ሰሙን ዳስ ጽምዶ ንምትካል መደብ ሒዙ ኣብ ስራሕ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ብኣባላት ጉጅለ ህግደፍን ናይ ሚዲያ ኳደሩኡ ኣወል ስዒድን እንዳተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጽምዶ ዳስ፡ ንዓድታት ኢሮብ ኢንጋልን፡ ጣብያ ዓገራለ”ኾማ፡ ኣግራዓ፡ እንዳ ዳሽምን ዓዲ ጉልቲን ዘጠቃለለ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ኣብቲ ዳስ ቃሎም ዘስምዑን ዝውከሉን ሰባት ኣብ ምምራጽን ምውህሃድን ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝስራሓሉ ዘሎ ጻውዒት ጽምዶ ከባቢታት ኢሮብ፡ ዝካየደሉ መዓልቲ ዛጊት ንጹር ዘይምኳኑ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ካድራትን ሽማግለ ጽምዶን ጉጅለ ህግደፍ ንማርያ እዩ ዝብል ቃላት ይደጋግሙ ምስ ምህላዎም ግን፡ ጾም ምስተፈትሐ ኣብ መዓልቲ ማርያ ቀዳም ዕለት 17 ግእዝ ናይ ምኳኑ ዓቢ ተኽእሎ ከምዘለ”ዮም ኣብ ሓበሬቶም ዝገልጹ።
ኳደረ ጉጅለ ህግደፍ ዓወል ስዒድ ብከባቢታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ውን ናይ ጽምዶ መደባት ተሰሪዑ፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ዓፋር ናይ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ መደባት ከምዘካየደ ድሮ ብመንገዲ ኣሳእል ማሕበራዊ መራከቢታት ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስቲ ኣብ ግጭት ክልል ኣምሓራ ዝገብሮ ዘሎ ሩኡይ ንጡፍ ተሳትፎ፡ ዕላማ ጽምዶ ብኹሉ ኣንፈት ንመንግስቲ ፈደራል ኣብ ከበባ ንምእታው እምበር፡ ከምቲ ህግደፍ ዝብሎ ሰለማዊ ዕላማ ከምዘይብሉ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።