
ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ መኾኒ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን መንእሰያት እቲ ከባብን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተጐድኡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ከተማ መኾኒ፡ ስድራ ግዳያትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ብዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ኣረጋጊጹ።
እቲ ትማሊ ሰኑይ 18 ነሓሰ ዝተልዓለ ግጭት፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣርሚ 43 ኮር 2 ዝተላእኩ ዕጡቓት ኣባላት፡ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምሊሻ እቲ ከባቢ ንምሓዝ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ ዝነበሩ እዋን ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዘጋጠመ ምኳኑ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ ሲቪል ተኸዲኖም ምንባሮም ዝተገልጹ ዕጡቓት፡ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምልሻ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኮሎኔል ሓለፎም መሓሪ [ተንሽን] ንምሓዝ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ኣብታ ከተማ ምስ ዘለዉ ውዳበ ‘መንእሰያት ሓመድ መኾኒ’ ከምዝተጓነጹን፡ ነዚ ስዒቡ ብዝተተኮሰ ጠያይቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ከምዝወረደን”ዩ፡ ዝገልጽ።
እቶም ዕጡቃት፡ ከባቢ ሰዓት 11:00 ንግሆ ንኮሎኔል ሓለፎም ክሕዙ ዝመጹ ምንባሮም ዝጠቀሰ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ሃብቶም፡ ብሕጊ ዝድለ እንተዀይኑ ወረቐት ኣምጽኡ፡ ክተሓዝ እንተዀይኑ ውን ባዕልና ክንሕዞ ኢና፡ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ናይ ህዝባዊ ምልሻ ወይ ከኣ ናይ ፖሊስ እምበር ናይ ሰራዊት ኣይኮነን፡ ገበነኛ ወይ ተጠርጣሪ እንተዀይኑ ብኣና እዩ ክተሓዝ ዘለዎ ብዝብል ተቓውሞ ኣብ መንጐ መንእሰያት እቲ ከባቢን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ከምዝተፈጥረ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ምንህሃሩ ተኩሲ ከምዝተከፍተን ጉድኣት ከምዘብጽሐን”ዩ ዝገልጽ።
እቶም ዕጡቓት፡ ገጾም ተሸፊኖም ከምዝነበሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምልሻ ኮሎኔል ሓለፎም፡ ብሓይልታት ትግራይ ክእሰር ዝተደለየሉ ምኽንያት ንምርግጋጽ ዝተገብረ ጻዕሪታት ፍረ ከምዘይረኸበ ዝገለጸ ቢቢሲ፡፡ ይኹን እምበር ሓላፊ ምልሻ ኮረኔል ሓለፎም፡ ኣብቲ ፍጻመ ከምዘይተታሕዘን፡ ግጭት ድሕሪ ምፍጣሩ ከምልጥ ከምዝኸኣለን”ዩ ዝገልጽ።
በቲ ዝተፈጥረ ግጭት ሓሙሽተ ሰባት ግዳያት ኰይኖም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ካብኣቶም እቶም ክልተ ብኸቢድ ተሃሪሞም ንላዕለዋይ ሕክምና ናብ መቐለ ከምዝተወስዱን ወሲኹ ዝገለጸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ንኩነታት እቶም ዝተሃርሙ ሰባት ኣመልኪቱ ንመዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል መኾኒ ዶ/ር ዳኒኤል በርሀ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ሓሙሽተ ህሩማት ከምዝመጹ፡ እቶም ክልተ ግን ብኸቢድ ዝተወቕዑ ብምንባሮም ንዝለዓለ ሕክምና ከምዝተላእኩ”ዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን፡ ምስ ናይ ትማሊ ሰኑይ ብዝመሳሰል ፍጻመ ስሙ ክልዓል ዝጸንሐ ኣርሚ 43፡ ምስ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተኣሳሰርን፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ግዳይ ኣብ ዝገበረን ዕግርግር ውን ኢድ ከምዝነበሮ”ዩ ዝኽሰስ እዩ።