
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ጉጅለ ህግደፍ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍን ናይ ጸሎት መደባትን ኣብ ሎሚ 22 ነሓሰ ክካየድ ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶን፡ ኣቅሽሽቲ፡ ኣመንቲ ወንጌላውያንን ፓስተራትን ኰይኖም፡ ካብቶም ሸውዓተ ዝቁጽሮም እሱራት፡ እቶም ሽዱሽተ ካብ 2004 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ “ዘስካሕክሕ” ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ኣብ 2005 ካልእ ሓደ ሰብ ከም ዝተጸንበሮምን ዝገለጹ እቶም ተጣበቕቲ ጕጅለታት፡ ካብ መሓዩር ክወጹ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍን ጸሎትን ንምክያድ መደብ ከምዝሓዙ”ዮም ዝገልጹ።
ብጉጅለ ህግደፍ ጅሆ ተታሒዞም ዝርከቡ 7 መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና፡ ካብ 2004 ኣትሒዞም ብኣህጉራዊ ኮምሽን ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ (USCIRF)፡ “ኣረሜናዊ” ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ “ወንጀል መርመራ” ተኣሲሮም ከምዘለዉን ፍትሒ ከምዝግቦኦምን”ዮም ኣብ መግለጾም ዝጠቅሱ።
ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስን :ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስትኣብን፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2004 ካብ ዝእሰሩ ኣትሒዞም ናብ ቤትፍርዲ ኰነ ጠበቓ ዘይቀረቡ ኮይኖም፡ እንኮ ‘ሳይካትሪስት’ ኣብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ዝነበረ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም፡ በዓልቲ ቤቱ ሓሚማትሉ ኣብ ዝነበረት ክርእያ ይዅን ድሕሪ ሞታ ክቀብራ ፍቃድ ከምዘይረከበ ዝፍለጥ”ዩ።
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ክኢላ ስነመለኮትን ሓላፊ ትምህርቲ ሰንበትን ንዝነበረ ቀሺ ገብረመድህን በዓልቲ ቤቱ ብተመሳሳሊ፡ ሰለስተ ውሉዳት ሓዲጋ ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየት ዝዝከር ኮይኑ፡ ብዓልቲ-ቤቱ ንቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ዝኮነት ወይዘሮ ውቤ ካሕሳይ ውን፡ ሃና፡ ሰሳይትን ረድኤትን ዝተባህሉ ደቃ ሒዛ፡ ንጸጥታዊ ድሕነታ ካብ ሃገር ወጺኣ ኣብ ስደት ከምእትነብር”ዩ ዝንገር።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2002 ብዘይካ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ሮማዊ ካቶሊኽን ከኒሻን፡ ካልኦት ሃይማኖታት ክዕጸዋን ምእመናዊ ንጥፈታት ሃይማኖቶም ከየካይዳን ውሳነ ምሕላፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ሃይማኖት ብዘይ ዝኮነ ክሲ ተኣሲሮም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተሞቂሖም ምህላዎም ተደጋጋሚ ግዜ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ህግደፍ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃይማኖት ሰባብ ብምግባር ዜጋታት ናይ ምዕፋን ተግባራቱ ገና ይቅጽሎ ምህላዉ ውን ዝፍለጥ”ዩ።
ፓስተር ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ፕሮፌሰር ማተማቲክስን፡ ኣቦ-መንበር ናይታ ንኣስታት 150 ኣብያተ ክርስትያን ሓቚፋ ዝነበረት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን ብመምርሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተዓጽወሉ ግዜ፡ ኣብ ግንቦት 2004 ዝተኣሰረን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ዝርከብን፡ ኣቦ-መንበር ምሉእ ወንጌል ቤተክርስትያን ዝነበረ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ ኣብ ግንቦት 2004 ምስ ተኣስረ፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ዝርከብ፡ ሜሮን ብዝብል መለለዪ ዝፍለጥ ሚልዮን ገብረስላሴ ፓስተር ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ከሙኡ ውን ክኢላ መደንዘዚ ኣብ ሆስፒታል ምጽዋዕን ዝነበረ፡ ካብ ሰነ 2004 ድሕሪ ምእሳሩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ፡ ኣብ 18 መጋቢት ቅድሚ 2005 ካብ ጐደናታት ኣስመራ ተጨውዩ ከም ዝተወስደ ዝንገረሉ ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ካሎኦት ብጾቶምን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኣስካሕካሒ ቤትማእሰርቲ ‘ወንጀል መርመራ’ ክህልዉ ከምዝክእሉ”ዩ ዝግመት።
ሃይማኖታዊ ሓርነትን ምሕዝነትን፡ ጐስጓስ ድምጽታት ንፍትሒ (#Voices4justice)፡ ተጣባቒ ጕጅለ 21 ዊልበርፎርስን ካልኦት ጕጅለታትን፡ ምስ Set My People Free and Christian Freedom International ሓቢሮም፡ ኣብ ዋሽንግቶን ኣፍደገ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ሰልፊ ብምክያድን ናይ ሕልና ጸሎት ብምክያድን፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓይሮም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ክፍትሑ ድምጾም ከስምዑ መደብ ኣውጺኦም ከም ዘለዉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ እቲ ሰዓት 11 ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ዱፓንት ሰርክል ፋውንቴን ጀሚሩ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ዋሽንግተን ዲሲ ክግበር ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ንሓሙስ 21 ነሓሰ ክካየድ መደብ ወጽዩ ከም ዘሎ”ዮም ዝሕብሩ።
ብመሰረት ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ብምብጻሕ ጸሎት ክገብሩ፡ ተሰዊሮም ዘለዉ ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ሕቶ ከቅርቡን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ክዅንኑን ከምዝኮኑ”ዩ እቲ ወጽዩ ዘሎ መደባት ዘነጽር።
ብተመሳሳሊ ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ዎርልድዋይድ ዝተባህለ ትካል፡ ሓሙስ 22 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ዓባይ ብሪጣንያ ለንደን ሰለማዊ ተቓውሞ ንምክያድ መደብ ኣውጺኡ ዘሎ ኮይኑ፡ MAIS ዝተባህለ ትካል ኣብ ብራዚል ብኢንተርነት ናይ ጸሎት መደብ ከዳሉ ምዃኑ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ዓርቢ 22 ነሓሰ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ስዊዘርላንድ ክካየድ፡ ሃገራዊ ክርስትያናዊ ወንጌላዊ ኪዳን ሲሪላንካ ኣብ ኮሎምቦ ከኣ ብኢንተርነት ናይ ጸሎት መደብ ከካይድ ከምዝኮነ”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣብ ናይጀርያ ብCSW Nigeria፡ ኣብ ቴክሳስ ድማ ብFreedom Seekers International ውን ተወሳኪ ናይ ኦንላይን ጸሎት መደባት ተታሒዙ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።