
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ድሕሪ ምጭዋዮም፡ ሓደ ካብኣቶም ሂወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊጹ።
ንጭውያ ሰራሕተኛታት ትካል ግብረሰናይን፡ ሞት ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝኾነ ኣቶ ሆነልኝ ፋንታሁንን ብዝምልከት፡ ካብ ናይ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ነጻ ዝተለቑ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራ መዋትን ንዝረከቦ ዝርዝር መረዳእታ ምርኩስ ብምግባር ነቲ ሓበሬታ ዝዝርግሐ ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ኮይኑ፡ ኣባል ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ቀይሕ መስቀል ሰሜን ጎንደር ዝዀኑ ኣቶ ሁነልኝ ፋንታሁን፡ ዶክተር ተፈራ ኣሰፋን ኣደላደላው ይግዛውን፡ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ሰሙን ሓዳስ ኣምቡላንስ ናብ ወረዳ ጃን ኣሞራ ኣብጺሖም ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝተጨውዩን፡ ኣቶ ሁንሊኝ በቶም ዕጡቃት ሂወቱ ከምዝሓለፈን”ዩ ዝገልጽ።
ሓደ ካብቶም መጭወይቲ ዘጋጠሞምን ብሂወት ዝተፈትሑን ክልተ ሰራሕተኛታት ዝኮነ ዶክተር ተፈራ ኣሰፋ፡ ንቢቢሲ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓረኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንግሆ ከባቢ 8:30 ንግሆ ፍሉይ ስሙ ጨነቅ (ኣምባ ራስ) ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብሄራዊ ፓርክ ሰሜናዊ ኣኽራናት፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጅሆ ከምዝተትሓዙ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣባላት እቲ ትካል ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ብኣርባዕተ ዕጡቓት ደው ክትብል ድሕሪ ምእዛዛ ከምዝተሃርሙ”ዩ ናይ ቃል ምስክርነቱ ሂቡ ዝርከብ።
ኣብ መጀመርታ ሓደ ዝኮነ ይኩን ዕጥቂ ዘይነበሮ ሰብ ኣብ ቅድሚት መጺኡ፡ ንመራሒ እታ መኪና ‘ደው’ ክብል ኣዚዝዎ ዝበለ ዶክተር ተፈራ፡ መኪና ደው ድሕሪ ምባላ ዕጡቓት ብኡንብኡ ናብታ መኪና ደዪቦም ካብ መኪና ኣውሪዶም ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዘውረድሎም ድሕሪ ምግላጹ፡ ብመሰረት ትእዛዞም ለቢስናዮ ዝነበርና ምልክት ቀይሕ መስቀል ክዳንና ከነውጽእ ድሕሪ ምግዳድና፡ ኣብ ትሕቲ ጭውያ ከምዝወደቅና ተረዲኡና ክብል”ዩ ዝገልጽ።
እቶም ነቲ ጭውያ ዝፈጸሙ ዕጡቃት፡ ንሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ብጾቶምን፡ ንኽልተ ሰዓታት ብእግሮም ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘግዓዙዎም ዝገለጸ ዶክተር ተፈራ፡ ኣዝዩ ዝሑልን በረድ ናብ ዝበዝሖ ከባቢ ከምዝወሰድዎምን፡ ናብ ሓደ በዓቲ የእትዮም ነጻ ንኽለልቀቑ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝሓተቱን እውን”ዩ ዝገልጽ።
ነፍሲ ወከፎም ኣስታት 1ሚልየን ብር ክኸፍሉ ሕቶ ከምዝቀረበሎም ወሲኩ ዝገለጸ ዶክተር ተፈራ፡ እቶም ዕጡቓት ብጸቕጢ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሰዓት 10፡0 ድሕሪ ቀትሪ ወላ”ኳ እንተለቀቅዎም ኣብ ቀጻሊ ሕማምን ቃንዛን ዝነበረ ኣቶ ሆነልኝ ግን ብሂወት ክተርፍ ከምዘይከኣለ”ዩ ሓዘኑ ዘካፍል።
ነጻ ድሕሪ ምልቃቖም ንዝሓመመ መሳርሕቶም ተሸኪሞም ክጓዓዙ ከምዘይከኣለ ብምጥቃስ ሓዘኑ ዘካፈለ ዶክተር ተፈራ፡ እቲ መንገዲ ነዊሕ ስለዝነበረ፡ እቲ መራሒ መኪና ናብ ዓዲ ኣትዩ ዝሕግዙና ሰብ ጸዊዑ ኣብ ቃሬዛ ተሸኪምናዮ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተበጻሕና፡ ኣዝዩ ተዳኺሙ ስለዝነበረ ግን ብሞት ተፈልዩ” ክብል”ዩ ብናይ ሰለስተ ዓመት መሳርሕቱ ዝተሰምዖ ሓዘን ዝገልጽ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መጠኑ ዝሓለፈ መግረፍትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን” ጠንቂ ሞት ኣቶ ሁነልኝ ምንባሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብሞት
ኣተሓባባሪ ምክልኻል ሓደጋ ናይቲ ትካል ዝነበረ ኣቶ ሆነልኝ፡ እቶም መንነቶም ዘይፍለጡ ዕጡቃት ሓላፍነት ከምዝስከሙ ብምግላጽ ንስድራቤቱ ጽንዓት ተመንዩ።
ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን ድሕሪ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ክልል ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ መንነቶም ንዘይፍለጡ ሸፋቱ ምቹእ ኩነታት ምፍጣሩ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ህዝቢ እታ ክልል ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ግዳይ ጭውያን መዝረፍትን ኮይኖም ምህላዎም ተደጋጋሚ ግዜ ክግለጽ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።