
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ፡ የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ)፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 34 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘድከየን ኩሉ ጽላታት ዝዕነወን ቁጠባዊ ፖሊስታቱ ንምምኽናይ፡ ‘ዓለም ንናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ፖሊሲ ርእሰ ምርኮሳ ቀኒኣትልና” ክብል ናይ፡ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” መግለጺ ሂቡ፡
ኣፈኛ ውልቀመላኺ ኢሳያስ የማነ ቻርሊ ብ21 ነሓሰ 2025 “ፍሉይ ዝኾነ ልምዓታዊ ራእይ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ ብሕቱ ገጻት ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ብዙሓት ወገናት ነቲ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ዝምርኮስ ቅዲ ፖሊሲ ኤርትራ ከም ሓደ ንጹልን ናይ ምልክን ምዃኑ ብገይጋ ክርድእዎ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ ብኣንጻር’ዚ ኣብ ባይታ ዘየለ ዓጀውጀው የማነ ቻርሊ፡ ሓላፊኡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ዝተሃንጸ ትሕት ቅርጺ ይኹን ቁጠባዊ ትካላት ከምዝዓነወን፡ ቀረብ ጽዓት፡ ማይ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ጥዕናን ካልእ መሰረታዊ ንጥፈታት ከምዘየለ ተኣሚኑ ኢዩ።
መግለጺ የማነ ቻርሊ ብተወሳኺ፡ ፖሊሲ ኤርትራ ንዘላቂ ምዕባለ ዝጠመተ ካብ ተጸጋዕነት ዝርሓቀ መተካእታ ዘይብሉ ኣብነታዊ ቅዲ ከምዝኾነ ብምእማት፡ ኤርትራ ናይ ገማግም ባሕሪ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደለትን ኣብ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ ስለዘላን ጥራይ ትስፉው ልምዓታዊ ገስጋስ ከምእተውሕስ ገሊጹ።
ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ፡ ከምዝብሃል፡ ኤርትራ ሃብታም ገማግም ባሕሪ፡ መስሕብ ቱሪስት፡ ማዕድናትን ካልእ ጸጋታትን እንከለዋ፡ ድሕሪ ናጽነት ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ 1 ሚልዮን ኤርትራውያን ተሰዲዶም።
ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋታትን ድርብ ወደባትን ገማግም ባሕሪ፡ ተመጽዋቲ ኮይኑ ብድኽነትን ስእነት ሕክምናን ይሳቀን ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ከርፋሕ ህይወት የሕልፍን ዓያዪ ጉልበት ኣብ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎ ተቆሪኑን ኣሎ።
ምስሉይ መግለጺ የማነ ቻርሊ፡ ቅድሚ ንኻልኦት ምኽሳስን ሓላፍነት ምስካምን፡ ጠንቂ ቁጠባዊ ዕንወትን ድኽነትን ስደትን፡ ገባቲ ቁጠባዊ ፖሊስታትን ጨቋኒ ምሕደራን ጉጅለ ህግደፍ እምበር፡ ቅንኣትን እገዳን ግዳማዊ ወገን ከምዘይኮነ ክስቆሮ ይግባእ።
ክሳብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ዘሎ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወደባትን ገማግም ባሕርን ማዕድናትን ካልእ ጸጋታትን ኣብ ኢዱን ከርሲ መሬቱን እንከሎ፡ ካብ ስደትን ጥሜትን ሓሰምን ክናገፍ ኣይክእልን ኢዩ።