
ኣብ መዳይ ሃገራዊ ልምዓት ፈጺሙ ዝጠፈሸን፡ ኣብ ኤርትራ ንፈውሲ ማሕላ”ኳ ዝዝንቶ ልምዓታዊ መደባት ዘየተግበረን ጉጅለ ህግደፍ፡ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ዕብየትን ኣዝዩ ቅልጡፍ ልምዓታዊ መደባት እታ ከተማን ብምቁንጻብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ብዝርእዩ ጽባቀ ከይምሰጥን፡ ሃገር ኣብ ድሓን ኩነታት ምህላዋ ከውምንን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሚዲያ ሃልኪ፡ ንጥፍሽና እቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ የንጸባርቅ ምህላው፡ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ ገሊጾም።
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ፡ በቲ ብመሳኩቲ ቴለቪዥን ዝርእዩ ጽባቀ ከተማ ኣዲስ ኣበባን፡ ካብ ስደት ዝመጸ ሰብ ዘቐብሎ ሓቅታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ ህግደፍ ንኤርትራ ማዕረ ክንደይ ከምዘዕነዋን ጽልዋ ኣስመራ ፈጺሙ ከምዝበለሎን ክርዳእ ኪኢሉ ምህላዉ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሰርሖ ዝጥቀስ ልምዓታዊ መደባት ስለዘይብሉ ነቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ዳግመ ምዝማን እታ ከተማን ምቁንጻብ፡ ልምዓታዊ መደባት እታ ከተማ ትርጉም ኣልቦ ምኳኑን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝህቦ ትርጉም ከምዘይብሉን ከረድእ፡ ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝቢ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታት፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝነብር ህዝቢ ከኣ ብካድራት ናይቲ ጉጅለ ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ ሃልኪ፡ ንጥፍሽና ናይቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ ከምዘንጸባርቅ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብዚ ክራማት ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ረጊጹ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዛኣቱ ብርክት ዝበለ ገያሺ ምህላዉ ወሲኾም ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ኣዲስ ኣበባ 24ሰዓታት ኣገልግሎት ቴለፎን ኢንተርነት ሓይሊ ኤለክትሪክን ኣገልግሎት ባንክን ዘለዋ ከተማ ምኳናን፡ ተደዊና ዘላ ከተማ ኣስመራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብኣሽሓት ብኪሎሜተራት ርሒቃ ምህላዋን፡ ብደረጃ ዘመናውነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓውሲ ከተማ እምበር ርእሰ ከተማ ክትብላ ውን ዘድፍር መሳለጥያታት ከምዘይብላ ተደጋጋሚ ግዜ ንህዝቢ ከምዝገልጽሉ ብምጥቃስ፡ ህግደፍ ብመንገዲ ካድራቱ ኣቢሉ ዘመናውነት እታ ንምብላል ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምቁንጻብ ተግባራቱ፡ ጥፍሽና ናይቲ ጉጅለ ካብ ምርግጋጽ ዝሓልፍ ትርጉም ከምዘይወሃቦ”ዮም ዝገልጹ።
ምስዚ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ብዝተኣሳሰር፡ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዛብእ ተወሪራ ዝብል ኣሳእል ብምልጣፍ፡ ምስሊ እታ ከተማ ንምንዋር ኣብ ሓደ ሰዓት ሓበሬታ ክዝርግሑ ምፍታኖም ኩሉ ዝተዓዘቦ ኮይኑ፡ መንእሰይ ዘይረግጻ፡ ዋና ብዘይብሎም ኣክላባት ኣእዱግን፡ ናብ ልመና ዝተዋፈሩ ዜጋታትን ተወሪራ ዘላ ከተማ ኣስመራ እንዳሃለወት፡ ስም ኣዲስ ኣበባ ንምንዋር መዓልታዊ ዝገብርዎ ዘለዎ ጻዕሪ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብወጽዑኡ ከይሓስብን ናይ ጽቡቅ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ንምፍጣርን ዝግበር ከንቱ ሃልኪ ምኳኑ ንጹር”ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ መሓውራቱ ውርደት ንምክዋል ኣብ ከቢድ ቃልሲ ምህላዉ ዘረድእ ካልእ ኣብነት ውን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ህቡብ ጋናዊ ዩቱበር ዎደማያ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ 7 መዓልታት ካብ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ስለዝተበትከ፡ ናይ ማሕበራዊ መራከቢታት ditox ከምዘካየደ ምግላጹ ካልእ ንውርደት እቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ ዘሪኢ ሓቂ”ዩ።
ጸላዊ ጋናዊ ዩቱበር ወደማያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምሉእ ብምሉእ ካብ ዓለም ተቆሪጹ ናብ ገዛእ ርእሱ ከም ዝተመልሰ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ንሰዓብቱ እሞ ከመይ ኣለኹም እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ ክብል ምሕታቱ፡ ህግደፍ ዘማሰና ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ካብ ዓለም ተነጺላ ትነብር ምህላዋ ክትርዳእ ዝግበር”ዩ።