
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ንጓሉ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ሽመት ድሕሪ ምሃቡ፡ ንውልቀ መላኺ ባህሪ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምጉላሕ ኣካታዒ ኣርእስቲ ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ።
ከም ሃገር ንዘይደልደለት ደቡብ ሱዳን ብዝለዓለ መንግስታዊ ስልጣን ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ሳልቫኬር፡ ንገዛእ ጓሉ ኣዱት ሳልቫኬር ከም ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኮይና ክትሰርሕ ከምዝሓረያን ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ውን ከቢድ ቁጥዐ ከምዝፈጠረን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ተግባራት ፕረዚደንት ሳልቫኬር መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዘለዎም ዘይዓርፍ ሸውሃት ስልጣንን፡ ኣማኒ ብምሳኣን ኣብ ስድራቤታዊ ዓንኬል ክሕቡኡ ንዝገብርዎ ተግባራትን ዘጉልሕ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
እቲ ፕረዚደንት ንጓሉ ዝሃቦ መንግስታዊ ሽመት፡ ኣብ ፍሉይ መደባት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከም ላዕለዋይ ሉኡኽ ኮይና ክትዓዪ ዘኽእል ሽመት ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ስልጣን ጓል ፕረዚደንት ሳልቫኬር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብቐጥታ ክምልሶም ንዝግቡኡ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ከይተረፈ ውክልና ዝህብ ብምኳኑ፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ከቢድ ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላዉን፡ ኣብ ታሪኽ ውልቀመለኽቲ ኣፍሪቃ ውን ተወሳኺ ጸሊም ነጥቢ ምኳኑን”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ሳልቫኬር ንጓሉ ዝሃቦ ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ንህጹጽ ፖለቲካዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝመልክት ምዃኑ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ህንጸት ሰላም ካልእን ብቀጥታ ዝተኣሳሰር ብምኳኑ ውን፡ እቲ መራሒ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንብዙሓት ኣገሪሙ ይርከብ።
ስልጣን ጓል ሳልቫኬር ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ስልጣናት መንግስቲ ሓደ ምኳኑ ንብዙሓት ትዕዝብቲ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ህዝቢ ኣብ ዘማርረሎምን ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ሃገራዊ ጉዳያት፡ ጓሉ ስልጣን ክትሕዝ ምግባሩ፡ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝያዳ ተቓውሞ ከስምዕ ዝድርክ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ሱዳን ፖስት ዝገልጽ።
ንኤርትራ ኣብ ግብ ዝበለ ውልቀምልካዊ ምሕደሩኡ ቆሪኑዋ ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ብተመሳሳሊ፡ ንወዱ ኣቶ ኣብርሃም ኢሳያስ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን እታ ሃገር ከሳትፎን፡ ቀስ ብቀስ ወራሲ ዓራት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንምግባሩን ቦታ ኣብ ምጥጣሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውልቀመለኽቲ ኣፍሪቃ ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ስልጣን ካብ ኢዶም ንዘይምውጻእን መንግስታዊ መዋቅራት ሃገር ብስድራቤታዊ ቅርጺ ንምትካእ ብዙሕ ከምዝደኽሙ ሳልቫኼር ዝወሰዶ ስጉምቲ እኹል መርትዖ”ዩ።