
ሚኒስተር ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።
ሓይሊ ኣየር እስራኤል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤልን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ደው ኢሉ፡ እስራኤል ቃዛ ንምቁጽጻር ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝጀመረትሉ ሰዓት ኮይኑ፡ በቲ ዝተወስደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ቤተ’መንግስቲ ፕረዚደንት የመን፡ ኩባንያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣሻርን ሄጃዝን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ንወተሃደራዊ ዕላማ ዘገልግል መኽዘን ነዳዲ ዕንወት ከምዘውረደ”ዩ መግለጺ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን እስራኤል ዘረጋግጽ።
መንግስታዊ መደበር ቴለቪጅጅን ካን-ቲቪ እስራኤል ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ 14 ነፈርቲ ኲናት ከምዘሳተፈ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ሰንዓ 40 ቡንባ ከምዝደርበየን፡ ዕላሙኡ ብዝግባእ ከምዝሃረመን ውን”ዩ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ዘረድእ።
በቲ ዝተካየደ መጥቃዕቲ፡ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ዝቆጻጸሮ ናይ ነዳዲ መዓስከራት ከቢድ ዕንወት ወሪዱ ምህላዉ ዝገለጸ ኣገልግሎት ሽንህዋ ብወገኑ፡ በቲ ዝተፈጥረ ኖትጊ ሂወት ሰብ ከምዝሓለፈን፡ ቀሊል ዘይበሃል ክሳራ ወሪዱ ምህላዉን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ በዓልመዚ ሲቪል ምክልኻል የመን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሰንዓ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ይሰርሕ ምህላዉ እኳ እንተገለጸ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ሓደጋ ግን ዛጊት ንጹር መግለጺ ክርከቦ ከምዘይተኻእለ”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ የመን፡ ሃገርነት ሃገረ ፍሊስጤም ክሳብ ዝረጋገጽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም ምኳኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ እስራኤል ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዓቢ ዕንወት ምውራዱ ዝዝከር”ዩ።
ካብ ዜናታት እስራኤል ከይወጻና፡ ግብጺ ኣስታት 40 ሽሕ ዝግመት ኣጋር ሰራዊት ናብ ዶባት እስራኤል ከምዘዋፈረት ተገሊጹ።
ግብጺ ናብ ሰሜን ሲናይ ኣዋፊራቶ ዘላ ቁጽሪ ኣጋር ሰራዊት ኣስታት 40 ሽሕ ከምዝግመት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ነቲ ግብጺ ኣብ 1979 ምስ እስራኤል ዝፈረመትሉ ስምምዕ ሰላም ዝፈቅዶ ቁጽሪ ሰራዊት ብዕጽፊ ከምዝበልጾ”ዩ ዝንገር።
ግብጺ ነዚ ስጉምቲ እዚ ዝወሰደት፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ብእትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ፍልስጤማውያን ናብ መሬት ግብጺ ክስደዱ ይክእሉ”ዮም ካብ ዝብል ስግኣት ምኳና”ኳ ዝግለጽ እንተኮነ፡ ብኣንጻሩ ንጥንቃቐ ዝውሰድ ስጉምቲ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝንገር።
ናብ ሲናይ ዘምርሕ ዘሎ ሓይልታት ግብጺ፡ ዕጥቃዊ መካይን፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ፍሉይ ሓይልታትን ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ ከም በዓል ራፋሕን ሸኽ ዙዌይድን ዝኣመሰሉ ስትራተጂካዊ ቦታታት ዓስኪሮም ኣለዉ።
እስራኤል ብዛዕባ ምውፋር ሰራዊት ግብጺ ከምዘይተሓጐሰት እኳ እንተገለጸት፡ ግብጺ ግን ንርእሳ ንምክልኻል ትዋሳእ ከምዘላ ትሕብር።