
ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ርክብ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ዝጀመረ ቀጥታዊ ዝርርብ ሩስያን ዩክሬንን ክትቅጽሎ ድልውቲ ምህላዋ ከምዝገለጸሉ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቨ ገሊጹ።
ሚኒስተር ሰርገይ ላቭሮቨ ወሲኹ፡ ብመሰረት ፑቲን ንትራምፕ ዝሃቦ ቃል፡ ልኡኻት ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ኢስታንቡል ፊት ንፊት ክራኸቡ ምዃኖም ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ቱርኪ ከተማ ኢስታንቡል ዝተካየደን፡ ብዘይ ዝኮነ ዘዕግብ ፍረ ዝተዛዘመን ዘተ ሰላም ዳግማይ ናብ ጣውላ ክምለስ ምኳኑ”ዩ ኣረጋጊጹ ዝርከብ።
ኲናት ሩስያን ዩክሬይንን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ደው ክብል ዝክእለሉ ኩነታት እንዳዓበየ ይመጽእ ምህላው ዝእመን ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ብሕጂ ዝካየድ ዝርርብ ምቁራጽ ተጻቦኦ ግን መዓስን ኣበይን ከምዝካየድ ንጹር ዘይምኳኑ”ዩ ሲጂቲኤን ዝገልጽ።