
ኣብ ዝበዝሕ ክፋላ ብውልቀመለኽቲ እትመሓደርን ሕጊ ኣልቦነት ገኒኑ ዝረኣየላን ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብብልሽውና ዓመታዊ ኣስታት 580 ቢሊዮን ዶላር ከምእትኸስር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ️ኣብ ዘውጾኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዶክተር ኣኪንዉሚ ኣደሲና ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣፍሪቃ ዓመታዊ ብብልሽውና እትኸስሮ ዘላ ኣስታት 580 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ፡ ፋይናንሳዊ ክሳራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንቁጠባዊ ዕብየት እታ ኣህጉር ሓኒቁ፡ ኣስታት ክልተ ትሪልዮን ዶላር ንዝግመት ዕዳ እውን የጋድዶ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኣፍሪቃ ብብልሽውና ተወሪራ ምህላዋ”ዩ ዝገልጽ።
ኣፍሪቃ ኣስታት ክልተ ትሪሊዮን ዕዳ ተሰኪማ እንዳሃለወት ዓመታዊ ብብልሽውና 580 ቢሊዮን ሃብቲ ትኸሰር ምህልዋ፡ ኣብ ቀዳድ ሸሓኒ ማይ ከም ምምላእ ዝሕሰብ”ዩ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ቁጠባዊ ውድቀትን ሕጊ ኣልቦ ምሕደራ ብልሽውናን፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ሃብትን ዕብየትን ሓኒቁ ሒዝዋ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብን ብልሽውናን፡ መዓልታዊ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ዶላር ትኸስር ምህላዋ ዝተጠቀሰ ኮይኑ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ሕጽበት ገንዘብ ሓዊስካ ኣፍሪቃ ብሕታዊት ትካል ውልቀመለኽቲ ኮይና ምህላዋ ዘረጋግጽ”ዩ።
ኣብ ታሪኹ ዝኮነ ይኩን ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ጌሩ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ህዝቢ ዝተዘምተ ብቢሎናት ዝቁጸር ሃብቲ ሃገር ባንክታት ስዊዝ ኣቐሚጡ ምህላዉ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሓኒቁ ሒዝዎ ካብ ዘሎ ባጤራ ናቅፋ ከይተረፈ ወርሓዊ ካብ ዝእለያ ስድራቤታት ኣስታት 80% ገንዘብ ከምዝሰርቅ ውን ዝፍለጥ”ዩ።