
ብዘይ ኣፍልጦ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝክየ ዘሎ ምስጢራዊ ኣካይዳ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ምረትን ራዕዲን ኲናት ስለንፈልጦ፡ ድልየትን ትጽቢትን ህዝቢ ትግራይ ሰላም ጥራሕ ምኳኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ተመዛበልቲ ዜጋታትን ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዓመታት ዝተገብረ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ፌደራል ግቡእ ሓላፍነቱ ክሽከም”ዩ ጻውዒቲ ኣቅሪቡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘይፈልጦ፡ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝዓለመ ምስጢራዊ ዘተን መስርሕን ይካየድ ምህላዉ ዘመልከተ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ተግባራት ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ምስጢር ምግሃስ ልኡላውነት ትግራይ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብቲ ተግባር ተሳትፎ ኣለዎም ንዝበሎም ግን ከኣ ስም ከይጠቀሰ “ኣሕዋት” ክብል ንዝገለጾም ኣካላት “ትሓስብዎ ዘለኩም ናይ ውዲት ተግባራት ደው ክተብሉ ይግባእ” ክብል”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልትን ምኽባር ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ኣመልኪቱ ንዝሃቦ መግለጺ ዝነቀፈ ኮይኑ፡ ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ምስ ኮነ፡ ተመዛበልቲ ብሰላም ክምለሱ ኣብ ዘክእል ጉዳይ ተዘራሪብናን ተሰማሚዕናን ኔርና ኢና” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ እንተኾነ ግን ታደሰ ወረደ ነዚ ረሲዑ ሕጅ ክምካሕ ይዕዘቦ ኣለኹ የሳልጠሉ፡ ክብል”ዩ ንቅሬቱኡ ዝገልጽ።
ታደሰ ወረደ ይፍተዎ ኣይፍተዎ ብዘየገድስ፡ ተመዛበልቲ ብሰላም ናብ ቤትንብረቶም ክምለሱ እዮም ዝወሰኸ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ልኡላዊት ግዛኣት ትግራይ ውን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኽበር’ዩ” ክብል ናብ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዘነጻጸረ ናይ ግብረመልሲ ጽሑፉ ዝገልጽ።
ኣነ እንተዘይሃልየ ተመዛበልቲ ናብ ቤት ንብረቶም ኣይምለሱን ዝብል ዋዛ ደው ይበል ዝበለ ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ፡ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ነዞም ነጋዶ ይኣኽለኩም ክብሎም ይግባእ ክብል”ዩ ቅሬቱኡ ኣቀሚጡ።