
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን እናወሰኸ ንዝኸይድ ዘሎ መጠን ገበን ቅትለት ንምግታእ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከቡ ቀተልቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦም ዝጽውዕ ሓድሽ ትእዛዝ ከምዘመሓለለፈ ተገሊጹ።
ትራምፕ፡ ንቀተልቲ ዝወሃብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ምክልኻል ገበን ቅትለት ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ካልኦት ግዝኣታት ኣመሪካ እውን ከምኡ ክገብራ ዝጸውዕው ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ዋሽንግተን ዲሲ፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ሰሪዛቶ ብምንባራ፡ እማመ ትራምፕ ኣብ መንጎ ክኢላታት ሕጊ ክትዕ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ሰበስልጣን ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ነቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ገበን ከም ዘጉድል ዝሕብር መርትዖ ከምዘየለን ብሕጊ ውን ኣጸጋሚ ምኳኑን ብምጥቃስ ተቓውሞኦሞ ዘቅረቡ ኮይኖም፡ ይኹን’ምበር ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ፡ ብሕቶ ናይቲ ፕረዚደንት ነቲ ጉዳይ ክግምግሞ ምዃኑ”ዩ ዝገልጽ።