
ቻይና ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ክካየድ ተታሒዙ ዘሎ ዘተ ምፍታሕ ኣጽዋር ኑክሌር ከምዘይትጽንበር ዝገለጸት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ኣብቲ ዝርርብ ንክትጽንበር ድሕሪ ዘቅረቦ ዕድመ ኮይኑ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ጉኦ ጂያኩን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቻይና ዓበይቲ ሓይልታት ኒዩክለር ምስ ዝኮና ሃገራት ኣመሪካን ሩስያን ከም ማዕረ ክትረአ ምኽንያታዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ”ዩ ቻይና ንሕቶ ትራምፕ ከምዝነጸገቶ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣመሪካን ሩስያን ብሓባር ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዛ ዓለም ዝዓጠቃ ሃገራት ብምኳነን፡ ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ፍሉይ ሓላፍነት ከምዘለወን ዝጠቀሰ ወሃቢ ቃል ቻይና፡ ሃገራዊ ድሕነት ዝውዕል ዝተሓተ ደረጃ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር እትውንን ቻይና፡ ምስ ዝኾነት ሃገር ኣብ ውድድር ኣጽዋር ከምዘይትዋፈር’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ዶናድል ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብጉዳይ ምፍታሕ ኑክሌር ከምዝተዘራረቡን፡ ቻይና ኣብቲ መስርሕ ክትሳተፍ ተስፋ ከምዘለዎምን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን’ምበር ቻይና ናይ ገዛእ ርእሳ ዓቅምታት ኒኩለር ምስ ናይ ክልቲኤን ዓርሞሽሽ ሃገራት ዓቅሚ ከምዘይዳረግ ብምግላጽ’ያ ንስሉሳዊ ዘተ ምፍታሕ ኒኩለር ከምዝነጸገቶ እትገልጽ።