
ብ28 ነሓሰ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግን ዳንጎቴ ግሩፕን ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ዝህነጽ ድኹዒ ማኑፋክቸሪንግ ኮምፕሌክስ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እታ ሃገር ዓብዪ ድፍኢት ከምዝህብ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ተመራማሪ ዘራእቲ ኣቶ ደስታ ፍቃዱ ገሊጾም።
እቲ 2.5 ቢልዮን ዶላር ኢንቨስትመንት ዘጠቓልል ሙኳኑ ዝንገረሉ ሜጋ ፕሮጀክት፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 3 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ከፍሪ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ኣፍረይቲ ድኹዒ ክትኸውን ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ተመራማሪ ዘራእቲ ኣቶ ደስታ ፍቃዱ ምስ ኢቲቪ ኒውስ 57 ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት 40 ሚኢታዊ ሓረስቶት ኢትዮጵያ ድኹዒ ሓመድ ከምዝጥቀሙ ገሊጾም።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓረስቶት ኣብ ሓደ ሄክታር ብማእኸላይ 146 ኪሎ ግራም ድኹዒ ሓመድ ክጥቀሙ ከለው ሓረስቶት ኢትዮጵያ ግን ኣብ ሓደ ሄክታር ኣዝዩ ዝተሓተ 35 ኪሎ ድኹዒ እዮም ዝጥቀሙ።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስምምዕ ዝተኸተመሉ መፍረ ድኹዒ ፋብሪካ፡ ኣብ ጽላት ሕርሻ እታ ሃገር ንዝነጥፉ ሓረስቶት ዓቢ ተስፋ እዩ ኮይኑ ዘሎ ።
ኣቶ ፍቃዱ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ስትራተጂካዊ ኢንቨስትመንት ሓደ ፋብሪካ ድኹዒ ምዃኑ ኣብ ምዕባይ ምህርትን መፍረያይነትን ዝራእቲ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ እውን ገሊጾም ኣለው ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ስምምዕ ኣቡጃ ክሳብ 2024 ኣብ ሓደ ሄክታር ናብ 50 ኪሎ ግራም ንምዕባይ ቃል ከምዝኣተወ ውን ኣዘኻኺሩ።
ትሑት ልሙዕነት ሓመድ ጽግዕተኛነት ኣብ ዝናብ ድርቅን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ቀንዲ ዕንቅፋታት ምፍራይን ኣፍራይነትን ዝራእቲ ምዃኖም ዝገለጹ እቶም ተመራማሪ ሓመድ ብድኹዒ ብምህብታምን ሓመድ ብምሕላውን ምህርቲን ኣፍረይነትን ንምዕባይ ህንጸት እቲ ፋብሪካ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ፋብሪካ ካብ ወጻኢ ሃገራት መዳበርያ ንምዕዳግን ንምጉዕዓዝን ዝውዕል ብዙሕ ገንዘብ ከምዝቑጥብ ጥራሕ ዘይኮነስ ምህርትን ኣፍራይነትን ኣብ ምዕባይ መተካእታ ዘይብሉ ግደ ከምዝጻወት እውን ገሊጾም።