
መራሒ ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ ዝኮነ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ ብሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳንን፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ንዝቖመ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ሓድሽ መንግስታዊ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ መሓላ ከምዝፈጸመ ተፈሊጡ።
እቲ ትማሊ ቀዳም ብወግዒ ዝቆመ ሓድሽ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ፡ ሕሚቲ ብዝብል መለለዪ ስሙ ንዝፍለጥ ጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ሓድሽ ፕረዚደንት ጌሩ ከምዝመዘዘ ብወግዓዊ መግለጺ ዘፍለጥ ኮይኑ፡ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሚቲ 15 ኣባላት ንዝሓቖፈ ፕረዚደንታዊ ባይቶ ክመርሕ ትማሊ ሰንበት ቃለ መሓላ ከምዝፈጸመ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ ንመራሒ ጉጅለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ዓብደል ዓዚዝ ኣልሂሉ ምክትል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሕሚቲ፡ ንኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ነበር መሓመድ ሓሰን ኣልታይሺን ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ጌሩ ከም ዝሸመ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኣብ መግለጺኡ ንኩሎም ሰበስልጣናቱ ሰናይ ናይ ስራሕ ግዜ ተመንዩ።
ካልኦት 13 ኣባላት ባይቶ ፕረዚደንት ደጋሎ’ውን ቃለ መሓላ ከምዝፈጸሙ እቲ ሓድሽ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ገዛእ ነብሱ መንግስቲ ምኳኑ ዘፍለጠ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ ንዝመስረቶም ነባራትን ሓደሽቲን ክልላት ኣብ ምምሕዳር ዝሳተፉ ኣመሓደርቲ ምኳኖም”ዩ ወሲኩ ዘረድእ።
ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝተመስረተ ሉኡላዊ ቤት ምክሪ ሱዳን፡ ኣብ ሞንጎ ኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን ብምኳን ስልጣን ተማቂሎም ዝነበሩ ወተሃደራውያን ጀነራላት መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን፡ ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ዝተፈጠረ ምፍሕፋሕ፡ ሱዳን ኣብ መሪር ኲናት ሓድሕድ ክትወድቅ ጌርዋ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ግጭት ሱዳን ገና ማዕልቦ ከይረከበ፡ ምስ ገለ ዕጡቓት ሱዳን ብምትሕብባር ብሓምዳን ደጋሎ ሕሚቲ ዝምእዘን ሓድስ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ምምስራቱ፡ ሱዳን ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ክልተ ሃገር ከይትምቀል ስጋኣት ፈጢሩ ይርከብ።