
ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፉ ንዝደልዩ ሰበስልጣን ፍልስጤም ቪዛ ከምዘይትህቦም ኣፍሊጣ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ እቲ “ንሃገር ፍልስጤም” ኣፍልጦ ምሃብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ንሰላም ዘዳኽም እዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዚ ምክንያት ኣመሪካ ብጉዳይ “ሃገርነት ሃገረ ፍሊስጤም” ኣብ ኒውዮርክ ንዝግበር ዘተ ክሳተፉ ንጽሓስቡ ፍሊስጤማውያን ቪዛ ክትህብ ከምዘይኮነት”ዩ ዝንገር።
ቪዛ ናይ ምኽልካል ውሳነ ኣብ ታሪክ ዓለም ብዙሕ ዘይተለምደ ውሳነ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተደኮነላ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ካብ ኵለን ሃገራት ንዝመጽኡ ሰበስልጣን ከተአንግድ ትጽቢት ዝግበር እኳ እንተኮነ፡ ሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ብፈረንሳ እናተመርሐ ክካየፍ ዝሕሰብ ዘሎ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ግን ንምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ከምዘየሐጎሰ”ዩ ዝንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ነቲ ‘ፍታሕ ምቛም ክልተ ሃገራት’ ብዝብል ኣምር እስራኤልን ፊሊስጤምን ክልተ ሃገራት ናይ ምግባረን ሓሳብ ብተደጋጋሚ ግዜ ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቓዛን ኣብ ጐድኒ እስራኤልን ምብራቕ ኢየሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ዝገበረት ሃገረ ፍሊስጤም ክትቀውም ዝብል ሓሳብ፡ መንግስቲ ክድግፎ ከምዘይኮነ ኣብ ምግላጽ ጸኒሑ”ዩ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ናይ ሮኬታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሰራዊት እስራኤል ቓዛ ንምቁጽጽር ወፍሪ ካብ ዝጅምር ንንየው፡ በቲ ግጭት ኣስታት 1,200 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ምጽንሖም
ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ቓዛ ብተመሳሳሊ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ልዕሊ 63,000 ሰባት ከም ዝሞቱ”ዩ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ዝሕብር።