
ብግፍዕን ናይ ጭኮና መግዛእትን ጉጅለ ህግደፍ ዝተማረሩ መንእሰያት ከተማ ዓዲ ቀይሕ፡ ሰላም ኣብ ልዕሊ ዝከሎኦም ኣዛዚ ጉጅለ ህግደፍ ስጉምቲ ምውሳዶም ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ዝባን ዝግብ ኣብ ዝበሃል ከባቢታት ዘጋጠመ ምኳኑ ዝሓበሩ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናይ ዝዓስከረት ብርጌድ 11 ኣዛዚ ምኳኑ ዝንገረሉ ምሕረትኣብ ዝተሰምየ ኣባል ጉጅለ ህግደፍ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዓዲቀይሕ ናይ ምስርጣይ ተግባራት ክፍጽም ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብመንእሰያት ከተማ ዓዲ ቀይሕ ስጉምቲ ተወሲድሉ ኣብ ሕክምና ምህላዉን፡ ኩነታት ጥዕኑኡ ንጹር ዘይምኳኑን”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዓዲቀይሕን ከባቢኡን ዶብ ዝሰገረ ናይ ምስርጣይ ተግባራት ክፍጽሙን፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ውን ኣሰቃቂ ተግባራት ክፍጽሙን ምጽንሖም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ በዚ ዝተማረሩን ዝነደሩን መንእሰያት ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ልዕሊ”ቲ ብቅርበት ክጻቦኦም ዝጸንሐ ኣዛዚ ብርጌድ ስጉምቲ ምውሳዶምን፡ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ውን ካብ ዘይምክኑይ ምልክን ከቢድ ጽልእን ምኳኑ”ዮም ዝጥቀሱ።
ድሕሪ”ቲ ብመንእሰያት ዝተወስደ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ዝረዓደ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ መንእሰያት ከተማ ዓዲቀይሕ ንምቅያድ ኣብ ከቢድ ሃድን ተዋፊሩ ምህላዉ ኣብ ሓበሬቶኦም ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ገለ ገለ ዝሓዝዎም መንእሰያት ኣብይ ከምዘለዉ ከምዘይተፈልጠን፡ ቁጽሮም ውን ብልክዕ ንጹር ከምዘይኮነን”ዮም ዝገልጹ።
ካብ ጋንታ ንላዕሊ ማዕርግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መዓስከራት ሳዋ፡ ሚዕጢር፡ ኮርመናዕ፡ ዊዓ፡ ኣፍዓበትን ዓሰብን፡ ኣብ ተሃድሶ ኣሃዱታትን ካልእን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሃገር፡ ምኽንያት ዘይብሉ ግፍዕን ጨፍጫፍን ብምፍጻም፡ በጃ ኢድ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ብምኳን ሂወት ዜጋታት ኣብ ምብልሻው ተጸሚዶም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ብርጌድ 11 ዝተወስደ ናይ ግብረመልሲ ስጉምቲ መንእሰያት ከተማ ዓዲ ቀይሕ፡ ነቶም መሳርሒ ምልኪ ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ዓቢ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝግባእን፡ መሬት ኣብ ምውግሑ ኣብ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ የእዳዎም ከይሕውሱን መጠንቀቕታ ክኸውን ከምዝግባእ”ዮም ምንጭታትና ዘተሓሳስቡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘጻወዶ ገበናዊ መርበባት ኢዶም ሓዊሶም ብደም ዝሕተቱ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ ኣሃዱታቶም ተሓቢኦም ከምዝነብሩን፡ ህዝቢ ብቂምታ ስለዝጥምቶም ናብ ሕብረተሰብ ከምዘይሕወሱን ዝፍለጥ”ዩ።