
ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህዝቢ ተቀባልነት ብዘይምርካቡ፡ ትግራይ ሓድሽ መንግስቲ ከተቅውም ይግባእ ክብል ባይቶ ዓረና ትግራይ ሕቶ ከምዘቅረበ DW ገሊጹ።
ዓረና ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ጸገማትን መሰረታዊ ሕቶ ህዝብን ክፈትሕ ሰሪ ዘይምካኣሉ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ትግራይ ናብ ዝሓመቀ ደረጃ ወዲቑ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት ትግራይ ናብ ግጭት ሓድሕድ ገጹ የምርሕ ኣሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ትግራይ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብሓድሽ ምምሕዳር ክትምራሕ ዘኽእላ መንግስቲ ከተቅውም ከምዝግባእ”ዩ ዝምጉት።
ብዘይካ ዓረና ትግራይ፡ 3ይ ወያነ ትግራይ ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ ቅሬታ ዘቀመጠ ኮይኑ፡ ትግራይ ገጢምዋ ካብ ዘሎ ብድሆን ዳግማይ ሓደጋን ንምውጻእ ሃገራዊ ጉባኤ ብህጹጽ ክካየድ ኣለዎ ክብል ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ይርከብ።
ብጉዳይ ትግራይ ኢትዮጵያን ህሉው ዛባዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣመልኪቱ ኣኬባ ድሕሪ ምክያዱ መግለጺ ዝሃበ ዓረና ትግራይ፡ ድሕሪ”ቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቀጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዝተተክለ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ንኩሎም ሓይልታት እታ ክልል ኣግሊሉ ብህወሓት ጥራሕ ዝቆመ ክኸውን ብምግባሩ፡ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክትወድቅ ጌርዋ ምህላዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዚ ንምፍታሕ ትግራይ ሓድሽ መንግስቲ ክትተክል ከምዝግባእ”ዩ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ብሕጋውነት ዝንቀሳቀስ ፖለቲካዊ ፓሪቲ ሓቲቱ ዝርከብ።
ንውድብ ህወሓት ብግልጺ ዝነቀፈ ዓረና ትግራይ፡ ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍን ዕጡቃት ሓይልታት ኣምሓራን ግሉጽ ምትሕብባር ኣብ ምክያድ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ህወሓት ንትግራይ ናብ ዳግማይ ሓደጋ ዘውድቃ ውሳነታት ካብ ምውሳድ ክቁጠብን ትግራይ ናብ ህዝባዊ መንግስቲ ክትሰጋገር ከምዝግባእን”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቅስ።