
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ስድራቤቶም ንምጥርናፍ ዘቕርቡዎ ሕቶ ዝሰምዓሉ ኣሰራርሓ ንግዜኡ ደው የብሎ ምህላዉ ተገሊጹ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝኮነት ይቨት ኩፐር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ስጕምቲ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣባላት ስድራቤቶም ንምምጻእ ዘቅርብዎ ሕቶ፡ ከም ናይ ስደተኛታት ገደብ ክንበረሉ ምዃኑ ዝገለጸት ኮይና፡ እዚ ማለት ሓደ ሰብ እንተ ወሓደ ኣብ ዓመት 29,000 ፓውንድ ኣታዊ ክህሉዎን መንበሪ ቤት ከዳሉን ከም ዘለዎ፡ ብተወሳኪልኺ እቲ ዝመጽእ ኣባል ስድራቤት ውን መሰረታዊ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝኛ ክህሉዎ ክግደድ ከምዝኮነን”ያ ተረድእ።
ትማሊ ሰኑይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓድሽ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራቤት ንግዜኡ ደው ከብሎ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ዕቝባ ዝተዋህቡ ሰባት ብዘይ ዝኮነ ቅድመ-ዅነት ስድራቤቶም ከምጽኡ ንዘኽእሎም ዝነበረ ኣሰራርሓ ደው ክብል ከምዝገበሮ”ዩ ዝንገር።
ይቨት ኩፐር ወሲኻ፡ ሕጊ ምጥርናፍ ስድራቤት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብዂናት፡ ግጭትን ስደትን ንዝተበታተኑ ስድራቤታት ንምሕጋዝ ዝተፈጥረ ነጻ ዕድል ምንባሩ ዝጠቀሰት ኮይና፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ዓባይ ብሪጣንያ እትክተሎ ነጻ ዕድላት ምስ ሕግታት ጐረባብቲ ሃገራት ዝሳነ ብዘይምዃኑ ገለ ለውጢ ከም ዘድልዮ ብምእማን መንግስቲ ዳግመ ክለሳ ክገብር ምግዳዱ”ያ ተረድእ።
ኩፐር፡ ከም ብዓል ዴንማርክን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ቅድሚ ምምልካቶም ክልተ ዓመት ክጽበዩ ከም ዝጠልባን፡ ቅድሚ ስድራቤት ምምጽኦም ሓተትቲ ዑቅባ ስራሕን መንበሪ ገዛን ንኽረኽቡ ግዜ ይህቦም ምንባሩ ዝጠቀሰት ኮይና፡ ባኣንጻሩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣባላት ስድራቤቶም ክመጹዎም ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሎም ከምዘመልክቱን፡ እዚ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ካብ መዕቘቢ ቤት ቅድሚ ምውጽኦም ዝክሰት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ በዚ ምኽንያት ብዙሓት ስደተኛታት ስድራቤታት ግዳም-ሓደር ንኸይኰኑ ንምምሕዳር ገዛ ከምዝሓቱ ብምጥቃስ”ያ ውሳነ መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ተረድእ።
በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ስድራቤቱ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምጽኡ ዝደሊ ስደተኛ፡ ሓያለ ገደባት ንዘንበረ ስሩዓት ሕግታት ኢምግረይሽን እታ ሃገር ከተግብር ክሕተቱ ምኳኑን፡ ኣብ ጉዳይ ምትእኽኻብ ስድራቤት ዝህሉ ተወሳኺ ለውጢ ውን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ክግለጽ ከምዝኮነን”ዩ ዝንገር።