
ቻይና፡ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ዝዓጠቀቶ ዘመናዊ ኣጽዋር ንዓለም ዘላሊ ግዙፍ ወተሃደራዊ ምሪኢት ኣብ ዘካየደትሉ ግዜ፡ መራሕቲ ቻይናን ሩስያን ዝተዛረብዎ ቃላት ሰሊኹ ከምዝወጸ ተገሊጹ።
እቲ ወተሃደራዊ ምሪኢት፡ ዝኽሪ 80 ዓመት ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ምኽንያት ብምግባር ዝተኻየደ ስነስርዓት ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ሩስያዊ መራሒ ቭላድሚር ፑቲንን፡ ከይተዓጽወ ብዝተረስዐ መጕልሒ ድምጺ ዝዛረብሉ ዝነበሩ ጉዳያት ናብ መራኸቢ ብዙሓን በጺሑ ከምዝወጸ”ዩ ዝግለጽ።
ክልቲኦም መራሕቲ ቻይናን ሩስያን፡ ምስ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ጐድኒ ንጐድኒ ኰይኖም ዘውግዑዎ ዝነበሩ ጉዳይ፡ መጥባሕቲ ሰብነት ብምግባር፡ ዕድሜኻ ምንዋሕ ይከኣል”ዶ ምስ ዝብል ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ከምዝኮነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ክልቲኦም መራሕቲ ቻይናን ሩስያን፡ ነዚ ጉዳይ ኣርእስቲ ኣብ ዝገበረ ዕላሎም፡ ብዛዕባ ዕድሚኦም ድዮም ዝሓስቡ ነይሮም ዋላስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስነፍልጠታዊ ምርምር ጥዕና ንዝብል ግን ዛጊት ንጹር ስእሊ ከምዘየለ”ዩ ዝንገር።
በቲ ዘይተዓጽወ ማይክራፎን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብስነፍልጠት ሓገዛት፡ ህይወት ዘልኣለማዊት ምግባር ኣመልኪቱ ክዛረብ ከምዝተሰምዐ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብሓገዝ ባዮቴክኖሎጂ ንዘልኣለም ምንባር ዝከኣለሉ ዕድል ምናልባት ኣብ መጻኢ ክፍጠር ይከኣል”ዩ ክብል ውን ከምዝተሰዐ”ዩ እቲ ካብ ቃሎም ዝተወስደ ዜናዊ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ሰሊኩ ዝወጸ ድምጺ ክልቲኦን መራሕቲ ቻይናን ሩስያን፡ ኣብቲ ብሃገራዊ ተለቪዥን ቻይና ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት ከምዝተሰምዐ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ፑቲንን ኪምን የማንን ጸጋምን ንሺ ኣብ ማእከሎም ዓጂቦም፡ ኣብ ኣደባባይ ቲና’መን ብእግሮም ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ ድምጾም ሰሊኹ ከምዝተሰምዐ”ዩ ዝንገር።
መራሒ ቻይና ሺ ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ ኰይኑ፡ ቭላድሚር ፑቲን ውን ብተመሳሳሊ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ርብዒ ክፍለ ዘመን ዝሓለፎን ምኳኖም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ስልጣን ናይ ምርካብ ድልየት ውን ስለዘይብሎም፡ ኣርእስቲ ዕላሎም ምስ ጉዳይ ዕድመኦም ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝእምት።
ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ዕላል፡ ንዘመናውነት ስነፍልጠታዊ መጥባሕቲ ኣካላት ኣመልኪቶም ጥልቅ ዝበለ ዕላል ከም ዘዕለሉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ዘይተዓጽወ ማይክራፎን ውን ንገሊኡ ወግዕታቶም ስሒቡ ብመንገዲ ቴለቪጅን እታ ሃገር ከምዘሕለፎ”ዩ ዝንገር።