
እስራኤል ምዕራባዊ ገማግም ንምጕባጥ እትከዶ ዘላ ርሕቀት፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስ ንዝተገብረ ስምምዓት ዘዳኽምን ቀይሕ መስመር ዝሰገረን ስጉምቲ”ዩ ክትብል ኢማራት ዓረብ ኣጠንቂቓ።
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዝኮነ ቤዛለል ስሞትሪች፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንምጕባጥ ዝቐረበ እማመ እስራኤ ኣቃሊዑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ኣመልኪታ ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ኢማራት ዓረብ ላና ኑሴበህ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እስራኤል እትገብሮ ዘላ ሓደገኛ ስጕምቲ፡ ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ደው ንምባሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ኣሉታዊ ተራ ዝህልዎን፡ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝቐትልን ስጉምቲ ምኳኑ”ያ ትገልጽ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፍልስጤም፡ ንመርገጺ ኢማራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ግን ንመግለጺ ኢማራት ዓረብ ኣመልኪቱ ዛጊት ዝኮነ ይኩን ግብረመልሲ ከምዘይሃበ”ዩ ዝንገር።
እስራኤል፡ ንምዕራባዊ ገምገምን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ኣብ 1967 ኣብ ዝተካየደ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ካብ እትጎብጥ ንደሓር፡ 700,000 ኣይሁዳውያን ዝነብሩሉ 160 ሰፈራታት ሃኒጻ ምህላዋ ዝንገር ኮይኑ፡ እቲ ተወሪሱ ዘሎ መሬት ፍልስጤማውያን፡ ንቓዛ ሓዊስካ ተስፋ ዝገበሩላ ሃገር ንክሃንጽሉ ዘማዕድውዎ መሬት ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
እስራኤል ብሓይሊ ጎቢጣ ኣብ ዝሓዘቶ ቦታታት፡ ኣስታት 3.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ይነብሩ ምህላዎም ዝንገር ኮይኑ፡ እስራኤል ዝሃነጸቶ። ሰፈራታት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ውን ተደጋጋሚ ግዜ ተገሊጹ”ዩ።
ኣብ 2020 ብሞንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብርሃም፡ ኢማራት ዓረብ፡ ባሕረይንን ሞሮኮን ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንክምስርታ ጌሩ ምንባሩ ዝንገር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ቅድመ-ዅነት ናይቲ ስምምዓት፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝመርሖ መንግስቲ፡ ንጐላጕል ዮርዳኖስ ሓዊሱ ገለ ክፋል ምዕራባዊ ገምገም ንምጕባጥ ዝነበረ ውጥናት ደው ከብሎ ዝብል ምንባሩን፡ ኢማራት እዚ ስምምዕ እንተተጣሒሱ ከም ቀይሕ መስመር ከም እትጥምቶን ክምከር ጸኒሑ”ዩ።
በንያሚን ናታንያሁ ኣብቲ ኣብ 2020 ዝተፈጸመ ስምምዓት፡ ውጥን ምጉባጥ ምዕራባዊ ገማግም ከቋርጾ ተሰማሚዑ ምንባሩ እትገልጽ ኢማራት፡ እንተዀነ ኣካል መደባቱ ኰይኑ ይቅጽል ምህላዉ፡ ኢማራት ከም ቀይሕ መስመር ከም እትጥምቶ”ያ ተደጋጋሚ ግዜ ተጠንቅቕ።
እስራኤል ምዕራባዊ ገማግም ናይ ምቁጽጻር ውጥን ከምዘለዋ ዝእመን ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ዓባይ ብሪጣንያ ፈረንሳን ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራትን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ ምዃነን ካብ ዝገልጻ ንደሓር ግን፡ ከምዚ ዓይነት መደባት ከሰጕሙ ዲዩ ኣየሰጕምን ዝብል ሕቶታት ክትዓት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።