
ግብጽን ሱዳንን፡ ንኽምረቕ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ዝርከብ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ፡ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ እቲ ሩባ ዘስዕቦ ስግኣት ኣመልኪተን ሓበራዊ መግለጺ ከምዝሃባ ተገሊጹ።
እቲ ዝተዋህበ ሓበራዊ መግለጺ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን መስኖን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮም ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ብረቡዕ ዝተዋህበ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ዝሃነጸቶ “ህዳሴ ግድብ” ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ተፋሰስ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምብራቓዊ ሩባ ኣባይ ቀጻሊ ሓደጋ ዘስዕብ’ዩ” ዝብል ቅሬታ ከምዝርከቦ”ዩ ዝንገር።
ምኒስተራት ግብጽን ሱዳንን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ሓባራዊ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን፡ ኣብ ትሕታዋይ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ንዝርከባ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ከኣ ከቢድ ሓደጋ ከምዘስዕብን ዘተሓሳሰቡ ኮይኖም፡ ኢትዮጵያ ማይ ንምኽዛን ዝወሰደቶ በይናዊ ስጕምቲ ዘለዎም ተቃውሞ ድሕሪ ምግላጾም፡ ውሕስነት ማይ ካብ ጸጥታዊ ውሕስነት ዝፍለ ከምዘይኮነ”ዮም ዝገልጹ።
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ተፋሰስ ምብራቓዊ ኣባይ ንእትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ክትክልሶን፡ ከውርዶ ንዝክእል ሓደጋታት ክትግንዘቦን ከምዝግባእ ኣብ መግለጺኦም ዝጠቐሱ ምኒስተራት ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘይጎድእ መንገዲ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ክትሳተፍ”ዮም ዝጠልቡ።
ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፡ ተሳትፎ ካልኦት ሃገራት ኣብ ተፋሰስ ማያት ኒል ብምንጻግ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ ክረአ ከምዘለዎ ዝገለጻ ኮይነን፡ ቅድሚ ምእዋጅ ህንጸት እዚ ግድብ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብተን 2011፡ 11 ኣባል ሃገራት ተፋሰስ፡ ኣብ ማያት ፈለግ ኒል ሓበራዊ ልምዓት ንምፍጣር ዝዓለመ ዞባዊ ኮሚሽን ክምስረት ምውሳነን ዝዝከር እዩ።
ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ብጉዳይ ህዳሴ ርክብ ክልትኣውን ስሉሳውን ዝርርባት ከካይዳ’ኳ እንተጸንሓ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ ከይበጽሓ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ተዛዚሙ ሓሙሽተ ግዜ ማይ ክመልእ ከምዝተገብረን፡ ኢትዮጵያ ብሕጊ ዝቅይድ ፌርማ ከተቀምጥ ተደጋጋሚ ግዜ ካብ ግብጺ ንዝቀርበላ ዝነበረ ሕቶታት ብምንጻጋ፡ ስሉሳዊ ዘተ ሃገራት ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፍረ ከመየምጸአ ከምዝተበተነ”ዩ ዝንገር።