
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ጕጅለታት ገበን “ክትድምስስ” ድልውቲ ምህላዋ ኣጠንቂቝ።
ማርክ ሩቢዮ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ኢኳዶር ኣብ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኮይኑ፡
ኣመሪካ ነቶም ብ’ሎስ ሎቦስ’ ከምኡ’ውን ‘ሎስ ቾነሮስ’ ዝብል ኣስማቶም ዝፍለጡ ዓበይቲ ጕጅለታት ገበን ኢኳዶር፡ “ትካላት ግብረሽበራ” ብምባል ኣብ መዝገብ ግብረሽበራውያም ሓይልታት ክትጽምብሮም ምኳና”ዩ ዝገልጽ።
እዚ መግለጺ፡ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ካሪቢያን ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ስርሒታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ስዒቡ ዝተዋህበ መግለጺ ኮይኑ፡ ኣመሪካ በቲ ዝተወስደ መጥቃዕቲ መንነቶም ዘይተገለጸ 11 ነጋዶ ዕጸፋርስ ከምዝቐተለት ምግላጻ ዝዝከር”ዩ።
ማርክ ሩብዮ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ ካብ ከም በዓል ሜክሲኮን ኢኳዶርን ዝኣመሰላን፡ መሓዙት ኣመሪካ ዝኮና ሃገራት ዝመጹ ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ብናይ ጸጥታ ሓይልታት ኣመሪካ “በይናዊ መጥቃዕቲ” ከጋጥሞም ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቀረበሉ ኮይኑ፡ መሻርኽቲ መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣስገርቲ ዕጸፋርስ ኣብ ምልላይ ክሕግዙና እዮም ድሕሪ ምባሉ፡ ኣመሪካ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ውሳነ ምብጻሓ”ዩ ዘረጋግጽ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርክ ሩብዩ ወሲኹ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እዞም ጕጅለታት ብረታዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝገለጸሉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቶም ጉጅለታት ንልዕሊ ን30 ዓመታት ኣብ ልዕሌና ኲናት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም ድሕሪ ምባሉ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝኮነ ይኹን ግብረመልሲ ክወሃቦም ዘይምካኣሉ ውን ተወሳኺ ጌጋ ምንባሩ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ማርክ ሩብዩ ኣስዒቡ፡ ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ወፍሪ ምስ መሓዙት ሃገራት ኣድላዪ ዘይምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ካብተን መሓዙታ ዝኮና ሃገራት ፍቃድ እንተረኺባ ኣብ ልዕሊ”ቶም ጉጅለታት ወፈሪ ክትጅመር ምኳና ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር፡ መንግስታት ኢኳዶርን ሜክሲኮን ኣብዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ክተሓጋገዙ ድልዋት ዲዮም ኣይኮነን ግን ዛጊት ዝበልዎ ንጹር ነገር የለን።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ኣብ ደቡባዊ ካሪብያን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ናብ ኣመሪካ ኣብ ምግዓዝ ንዝሳተፉ ኣባላት ቬንዙዌላዊ ጕጅለ ‘ትረን ደ ኣራጉዋ’፡ ዒላማ ዝገበረን ዕላሙኡ ዝወቅዐን ምንባሩ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ገለ ገለ ክኢላታት ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ንሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርን ዝጥሕስ ክኸውን ከምዝኽእል”ዮም ዝገልጹ።
ሓሙስ ምሸት ክፍሊ ምክልኻል ገበናት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ቬንዙዌላ ናብ ጥቓ መርከብ ኣመሪካ ቀሪበን ከም ዝበረራን፡ እዚ ድማ ኣብ ስርሒታት ጸረ-ሽበራ-ዕጸፋርስ ንዝተገብረ ምትእትታውን ዝለዓለ ምትዅታዅን እዩ፡” ክብል ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ቬንዙዌላ ግን ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊት መልሲ ኣይሃበትን።
ኣመሪካ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ኤኳዶር ክትጭፍልቕ፡ ኣብ ጸጥታዊ መዳያት 13.5 ሚልዮን ዶላር፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ድሮን ከኣ 6 ሚልዮን ዶላር ሓገዛት ንኤኳዶር ክትገብር ድልውቲ ከምዘላ”ዩ ማርክ ሩቡዮ ዝገልጽ።